- Other languages
ስግረ-ጾትነትን ጾታዊ ኣንፈትን
ከም ስግረ-ጾተኛ ኮይንካ ምንባር ከቢድ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ከኣ፡ ብዜካ`ቲ ንዓኻ ኣብ ውሽጥኻ ዝስምዓካ ኣሉታዊ ስምዒታት፡ ብኸባቢኻ ውን ክብረት ስለዘይትረክብ እዩ። ኩሉ ሰብ ከም ዝደለዮ ኮይኑ ክነብር መሰል ኣለዎ - ነቶም ንጾታዊ-መንነት ዝምልከት ምኽሪ ዘድልየኩም ሰባት ከኣ ማእከል-ጥዕና ኣለኩም።
ጾታዊ መንነንትን ስግረ–ጾትነትን እንታይ ማለት እዩ?
ጾታዊ መንነት ክንብል እንከለና፡ ነቲ ሓደ ሰብ ከም መለለዪኡ ዝወስዶ ጾታዊ መንነቱ ማለትና ኢና። ብኽልእ ቋንቋ እቲ ሰብ ንነብሱ ከም ተባዕታይ ድዩ ዝርእያ ወይሲ ኣንስታይ ዝብል እዩ። ንባህላዊ ቅጥዒታት ጾታዊ መንነት ዝጥሕስ ሰብ ወይ ንነብሱ ካብኡ ወጻኢ ዝርእያ፡ ስግረ–ጾተኛ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ስግረ–ጾተኛ ዝብል ኣምር፡ ሓደ ዓይነት ነገር ጥራይ ዝገልጽ ኣምር ዘይኮነ፡ ሰፊሕ ዝበለ እዩ። ስግረ–ጾተኛ ዝብል ኣምር እምበኣር፡ ናይቲ ካልእ ተጻይ ጾታ ዝኾነ ክዳን ዝኽደኑ ሰባት (ዶብ–ሰገር ተኸዳናይ፡ ናይ ተጻይ ጾታ ዝኣከዳድንኡ)፡ ንነብሶም ኣይ ምስ ተባዕትዮ ኣይ ምስ ኣንስትዮ ዝቆጽርዋ ሰባት (ኣብ ክልተ ጾታነት ዘይኣምን፡ ክልተ ጾታነት) ከምኡ ውን ኣብ ግጉይ ኣካል ተወሊድና ዝብሉ ሰባት (ስግረ–ጾታነት) ክሓቁፍ ዝኽእል ሰፊሕ ኣምር እዩ። ነዚ ወይ ነቲ ሓደ ክትመስል ከተማልኦ ዝግባእ ቅጥዒታት የለን። እንታይ ደኣ፡ ነፍሲ–ወከፍ ሰብ ንነብሱ ከም ስግረ–ጾተኛ ክርእያ ባዕሉ እዩ ዝውስን።
ስግረ–ጾትነት ምሳኻ ዝውለድ እምበር፡ መሪጽካ እትኣትዎ ነገር ኣይኮነን። ኣብ ንኡስ ዕድመ ምጥባር ልሙድ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ኣብ ጎድኒኻ ኮይኑ ዝሕግዘካ ማሕበራዊ ኔትዎርክ ክህሉ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ።
ስግረ–ጾትነት፡ ሓደ ሰብ እንታይ ዓይነት ጾታዊ ኣንፈት ኣለዎ ኣይሕብርን እዩ። ምስ መን ስጋዊ–ርክብ ክትፍጽም ኢኻ ወይ ውን ንመን ከተፍቕር ኢኻ፡ ኣብ ጾታዊ መንነትካ ዝምርኮስ ኣይኮነን። ሓደ ስግረ–ጾተኛ ዝኾነ ሰብ፡ ከም ማንም ካልእ ሰብ፡ ሰዶመኛዊ፡ ፍሉየ–ጾተኛ፡ ድርብ–ጾታዊ ወይ ውን ካልእ መግለጺ ጾታዊ መንነት ክህልዎ ይኽእል።
እዚ ጸገም ንህይወተይ ብኸመይ ይጸልዎ?
መብዛሕትኦም ስግረ–ጾተኛታት ገነ ብንኡስ ዕድሚኦም እንከለዉ እዮም፡ ምስኦም ዝውለድ ጾታዊ–መንነቶም ቅኑዕ ከምዘይኮነ ዘለልይዎ። ጾታዊ–መንነትይን ኣካለይን ሓደ ኣይኮነን ብዝብል ስምዒት ምስቓይ፡ ጾታዊ ስእነተ–ቕሳነት (könsdysfori) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሰባት ንሓደ ሰብ፡ ከምቲ ብውሽጡን ብደጊኡን ዝኾኖ ጌርም ክርእይዎ ዘይምኽኣሎም፡ ነቲ ግዳይ ብሻቕሎትን ጭንቀትን ክወሓጥን፡ ንነፍሰ–ቅትለት ዝድርኽ ሓሳባት ክግንፍሎን ይገብር።
ብዙሓት ስግረ–ጾተኛታት ኣብ ደሓን ዝኾነ ኩነተ–ኣእምሮ ዝርከቡ ኮይኖም ብሰንኪ ጾታዊ–መነነቶም ውን ኣይጭነቑን እዮም። ከም ሓደ ጉጅሌ ክንርእዮም እንከለና ግን፡ መጽናዕታት ውን ከምዘነጽሮ፡ ስግረ–ጾተኛታት ብፍላይ ከኣ መንእሰያት፡ ካብ ካልእ ክፋል ሕብረተ–ሰብ ልዕል ዝኾነ ናይ ስነ–ኣእምሮኣዊ ዘይምጥዓይ ጸገማት ኣለዎም። ቃዝኖትን ጭንቀትን ኣዝዮም ልሙዳት እዮም። 40 ሚእታዊት ናይ መንእሰያት ዝኾኑ ስግረ–ጾተኛታት ኣብ ገለ እዋን ህይወቶም ከሕልፉ ፈተነ ኣካይዶም ይፈልጡ እዮም።
ካብ ሰብካ ዝተፈለኻን ጥፉእን ኮይኑ ክስመዓካ ቀሊል ነገር ኣይኮነን። እዚ ኸኣ፡ ግዳይ ከም ወቐሳ፡ ተነጽሎን ዘይምቕሳንን ክትከውን ይገብረካ። ሓደ ካብ ሓሙሽተ ስግረ–ጾተኛታት፡ ብሰንኪ ጾታዊ–መንነቱ ንዓመጻዊ ተግባር ተቓሊዑ ይፈልጥ። ፍርቂ ናይዚኦም ከኣ፡ ንኣነዋሪ ዝኾነ ተግባራት ተቓሊዖም ይፈልጡ። ብማሕበራዊ ዓይኒ ክርአ እንከሎ፡ ስግረ–ጾትነት ኣብ ሕብረተ–ሰብና ቅቡል ነገር ኣይኮነን። ተጻዋርነት ንምዕባይን፡ ንስግረ–ጾተኛታት ዝገጥሞም ሕዱር ጽልኢ ንምውጋድን ብዙሕ ክስራሓሉ ዝግብኦ ዝተረፈ ነገራት ኣሎ።
ክረኽቦ ዝኽእል እንታይ ዓይነት ሓገዝ ኣሎ?
ብሰንኪ ጾታዊ–መነነቱ ኣብ ስነ–ኣእምሮኣዊ ዘይምጥዓይ ዝወደቐ ሰብ፡ ሕክምናዊ ረድኤት ክሓትት ይግባእ። ዝኾነ ሰብ ከምቲ ዝደለዮ ክኸውንን፡ ኣብ ደሓን ዝኾነ ኩነተ–ኣእምሮ ናይ ምህላውን መሰል ኣለዎ። ንስኹም ባዕልኹም ወይ ውን ቤተ–ሰብኩም ኣብ ናይ ቃዝኖት፡ ትካዘ ወይ ውን ብኻልእ መልክዕ ሕማቕ ምስማዕ ኩነት ምስ እትህልዉ፡ ምስ ማእከል ክንክን–ጥዕና ወይ ውን ማእከል ሓፈሻዊ ሲካትሪ ተራኺብኩም ሓገዝ ሕተቱ። ኣካላቱ ቅኑዕ መልክዕ ከትሕዝ ዝደሊ ሰብ ውን፡ ኣብዚ ማእከላት ምኽሪ ክረክብ ይኽእል እዩ።
መርመራ–ጾታ እንታይ እዩ?
ጾታዊ ምስትኽኻል ከምኡ ውን ኣብ መወዳእታ ሕጋዊ ምቕያር ጾታ ክገብር ዝደሊ ሰብ፡ መጀመርያ ምርመራ–ጾታ ክገብር ኣለዎ። እቲ መስርሕ ብውሑዱ ክልተ ዓመት ይወስድ። እቲ መስርሕ ነዊሕ ዝገብሮ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ሰብ ኣየናይ ጾታ እዩ ምስ ኣካላቱ ዝያዳ ዝኸይድ ንምፍታን ካብ ዝብል እዩ።
ብመጀመርያ ዘድሊ ነገር ረፈራል (ረሚስ) እዩ። እዚ ረፈራል፡ ካብ ተራ ማእከል ክንክን–ጥዕና ወይ ውን ካብ ማእከል ሓፈሻዊ ሲካትሪ ከተምጽእዎ ትኽእሉ። ሕክምናዊ ሓገዝ ምሕታት፡ ሓሚምካ ኣለኻ ማለት ዘይኮነ፡ ሕክምናዊ ብቕዓት ክፍሊ–ጥዕና ኣድሊዩካ ኣሎ ማለት እዩ። ንጾታዊ መንነትካ ዝምልከት ርግጸኛ ክትከውን ግድን ኣይኮነን። መርመራ–ጾታ ከትገበርካ ውን እንታይ ዓይነት ምቕይያራት ክግበረልካ ትደሊ ክትፈልጦ ውን ግድን ኣይኮነን።