Ge en gåva

ምምስቓል ኣእምሮ

ምምስቓል-ኣእምሮ (Schizofreni) ሕማም ኣእምሮ ኮይኑ፡ እቲ ብኡ ዝተጠቕዐ ሰብ፡ ኣብ መንጎ ፋንታዝያን ክውንነትን ክፈሊ የጸግሞ። እቲ ግዳይ ናይዚ ሕማም ዝኾነ ሰብ፡ ንነብሱ ከምዝሓመመ ጌሩ ስለዘይወስዳ፡ ክትፍውሶ ኣጸጋሚ ይገብሮ። ሓደ ሰብ በዚ ሕማም ተለኺፉ ማለት ግን ክቕበጽ ኣለዎ ወይ ውን ዳግማይ ናብ ንቡር ኣይምለስን ማለት ግን ኣይኮነን።

ምምስቓል-ኣእምሮ እንታይ እዩ?

35000 ሽወደናውያን ምስዚ ሓደገኛን ንነዊሕ ዝጸንሕ ሕማም-ኣእምሮ ዘኸትልን ሕማም ምምስቓል-ኣእምሮ ይነብሩ። ሕማም-ኣእምሮ ብሰንኪ ዘኸትሎ ጸገማት ከኣ፡ ክውንነት ናይ ምርዳእ ዓቕሚና የዘምብዖ። እዚ ዝምባዔ ኸኣ ብወገኑ  ድንግርግር፡ ዓጀውጀውን ምቕይያር ጠባያትን ይወልድ። እቲ ዓጀውጀው (ብንቑሕካ ዝርአ ሕልሚ) ኩሉ-ህዋሳዊ ዝዓይነቱ ክኸውን ይኽእል። ኣዝዩ ልሙድ ዝኾነ ዓጀውጀው ብመልክዕ ድምጺ ዘጋጥም ኮይኑ፡ ነቲ ግዳይ ገለ ነገራት ክገብር ዝእዝዝ ድምጺ ወይ ውን መልእኽቲ እዩ። እቲ ግዳይ ነቲ ዝሰምዖ ከምዚ ግበር ዝብል ድምጺ ተቐቢሉ ከተግብሮ ምስ ዝጅምር፡ እቲ ከጋጥም ዝኽእል ኣዝዩ ሓደገኛ ነገር ክኸውን ስለዝኽእል፡ ቀልጢፍካ ሓገዝ ምሕታት ኣገድሲ እዩ።

ድንግርግር ክበሃል እንከሎ፡ ካብ ኣብ ከባቢኻ ዝተፈልየ ስእሊ ናይ ነገራት ምህላው ማለት እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ግዳይ ንነብሱ ሰብ ይኽተሎ ከምዘሎ፡ ከም ዝተሰመመ ወይ ውን ንህይወቱ ከምዝሰግእ ጌሩ ይወስዳ። ሓደ ነገር ወይ ውን ፍጻሜ፡ ብሃንደበት ካልእ ዝተፈልየ ስእሊ ወይ ትርጉም ይወሃቦ። ግዳያት ናይዚ ሕማም፡ ዝኾነ ክዛረብ ዝርእይዎ ሰብ ብዛዕብኦም ሕማቕ ይዛረብ ከምዘሎ ጌሮም ይወስድዎ። ኖርማል ናይ ቴለቪዥን መደብ ውን ብሃንደበት ናብኦም ዝቐንዐ ስዉር መልእኽቲ ከምዘለዎ ጌሮም ይወስድዎ።

ብካሜራ ወይ ውን ብድምጺ ሰብ ይከታተለኒ ኣሎ ኢልካ ምሕሳብ ውን ልሙድ ነገር እዩ። ንጥዑያት ሰባት ቅቡል ዘይኮነ ትንተና ወይ ውን ምጉት፡ ንብሕማም ኣእምሮ ዝተለኽፈ ሰብ ቅቡል ኮይኑ ክርአ ይኽእል። ካልእ መለለዪ ሕማም ምምስቓል-ኣእምሮ፡ ምቕይያር ኣገባብ ኣዘራርባ እዩ። ከም ንኣብነት፡ ምውሓድ ዘረባ፡ ገደብ ዘይብሉ ዝተራእየካ ምዝራብ ከምኡ ውን ምድስካል ድርኺትን ዝኣመሰለ የጠቓልል።

መብዛእትኦም ብሕማም ምምስቓል-ኣእምሮ ዝልከፉ ሰባት እቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 20 ክሳብ 30 ዝርከቡ እዮም። ጠንቂ ሕማም ንብጹር ዝፍለጥ እኳ እንተዘይኮነ፡ ብትውልዲ ክውረስ ግን ይኽእል እዩ። ብዕሸልካ እንከለኻ ዘጋጥም ማህሰይቲ ዝፈጥሮ ሃልኪ፡ ኣብ ህይወት ዘጋጥሙኻ ሽግራትን ፍኑው ዝውተራ ሓሺሽ ካናቢስ ውን በዚ ሕማም ንኽትጥቃዕ ተራ ክህልዎም ይኽእል እዩ።

በዚ ሕማም ህይወተይ ብኸመይ ይጽሎ?

ክመጽእ እንከሎ እዚ ሕማም ብውሑዱ ንኣስታት 6 ወርሒ ዝጸንሕ እኳ እንተኾነ፡ ምሉእ ህይወትካ ዝኽተለካ ግን ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ሕማም ከምልምሰናን፡ ንባዕላዊ-ስምዒትና ውን ከቢድ ስንብራት ዝገድፍን ክኸውን ይኽእል። ግዳይ ናይዚ ሕማም ዝኾነ ሰብ ክሰርሕ ወይ ውን ክመሃር ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ ይወድቕ። ግዳያት ምስ ውሽጦም ጥራይ ይድረቱን ጻርጻር ውን ክብሉን ይረኣዩ። ሕማም ምምስቓል-ኣእምሮ፡ ጭንቀትን፡ ሻቕሎት ቃዝኖትን፡ ክትድቅስ ዘይምኽኣልን ዝኣመሰሉ ሳዕቤናት ዘኸትል፡ ደጊምካ ንነብስኻ ከተለልያ ከምዘይትኽእል ዝገብር ሕማም እዩ።

ሕማም ኣእምሮ፡ ግዳይ ፍርህን ውርደትን ክገብረካ ይኽእል እዩ። ኣሸጋሪ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ እቲ ዝስመዓካ ነገር ንሰብ ምሕባር ኣገዳሲ እዩ። እቲ ሕሙም ዘርእዮ ጠባያዊ ምቕይያር ክፍወስ ዝኽእል እዩ።

ሓውየ ናብ ንቡር ክምለስ ይኽእል`ዶ?

እዚ ሕማም ነባሪ እኳ እንተኾነ፡ ገለ ዓመታት ድሕሪ ምሕላፉ ግን ደሓን እንዳኾነ ይኸይድ። ገለ ምስትኽኻላት ብምግባር ግን፡ እቲ ግዳይ ከም ሰቡ ንቡር ዝኾነ ህይወት ክመርሕ ይኽእል እዩ። ብዜካ`ቲ ዝግበረልኩም ሕክምናዊ ፍወሳ፡  ማሕበራዊ ግዳፍን ትርጉም ዘለዎ መዓልታዊ ንጥፈታት ምክያድን ውን ኣገዳሲ እዩ። እቲ ሕማም ግዳይ ፍኑው ዝውተራን ቃዝኖትን ክትከውን ስለዝደፋፍእ፡ ጽቡቕ መግብን እኹል ድቃስን ውን ካብዚ ክትወጽእ ክገብር ይኽእል እዩ።

ባዕልኹም ወይ ውን ቤተ-ሰብኩም፡ ግዳይ ሕማም ኣእምሮ ኮይኑ ወይ ይኸውን ኣሎ ኢልኩም ምስ እትትርጥሩ፡ ናብ  ማእከል-ጥዕና፡ ማእከል መንእሰያት ወይ ውን ሲካትሪያዊ ማእከል ኣባጽሕ ብምኻድ ሓገዝ ሕተቱ። ብሕማም ምምስቓል-ኣእምሮ ዝተለኽፈ ሰብ ናብ ንቡር ክምለስን ደጊሙ በቲ ሕማም ከይሳቐን ምእንቲ፡ ግድን ክፍወስ ኣለዎ።

መስርሕ ምንጻር ሕማምን ፍወሳን

ሕማም ምምስቓል-ኣእምሮ ክንጸር ምእንቲ፡ እቲ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ብውሑዱ 6 ወርሒ ዘቊጸረ ክኸውን ኣለዎ። ነቲ ሕማም ካብ ካልኦት ሕማማት ኣእምሮ፡ ሳዕቤን መድሃኒታትን ድሮጋን ዘስዓቦ ኣይኮነን ኢልና ክንድምድም ምእንቲ፡ ባህሩ ንምንጻር ዝዓለመ ደቂቕ ምርመራ ምክያድ የድሊ። ተጻያዊ ግብረ-መልሲ ናይቲ ሕማም ገቲኡ መዓልታዊ ህይወት ግዳያት ዘቃልል ጸረ ሕማም ኣእምሮ ዝኾነ መድሃኒታት ኣሎ እዩ። እቲ ኣገባብ ፍወሳ፡ ድጋፋዊ ዝርርብን ፍወሳ ኣእምሮን (ሳይኮተራፒ) ውን ዘማልአ እዩ። ግዳያት ናይዚ ሕማም ኣብ ህልዊ ስርሑ ወይ ውን ዳግማይ ናብ ስርሑ ንኽምለስ፡ ቕልጡፍ ምርዕዓም ክግበረ ኣለዎ። እዚ ምርዕዓም`ዚ ዋላ`ቲ ግዳይ ምሉእ ብምሉእ ዝሓወየ ምስዝመስል ውን ክግበረሉ ኣለዎ።

ድሕነት ኣዝዩ ኣገዳሲ ረቋሑ ስለዝኾነ፡ እቲ ግዳይ ኣብ ጥርዚ ናይቲ ሕማም ኣብ ዝርከበሉ ግዜ፡ ፍወሳ ኣብ መንበሪ-ገዛ ግዳይ ወይ ውን ኣብ ፍሉይ ክፍሊ መእለዪ-ሕሙማት ምስ ዝካየድ ተመራጺ እዩ። እቶም ኣብ ጎኒ ናይቲ ሕሙም ደው ዝብሉ ወለዲ ውን፡ ግዳያት ሃለኽለኽን ገልታዕታዕን ስለዝኾኑ ንዕኦም ውን ድጋፍ ከድልዮም ይኽእል እዩ።