Ge en gåva

ስግረ-ጾትነትን ጾታዊ ኣንፈትን

ከም ስግረ-ጾተኛ ኮይንካ ምንባር ከቢድ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ከኣ፡ ብዜካ` ንዓኻ ኣብ ውሽጥኻ ዝስምዓካ ኣሉታዊ ስምዒታት፡ ብኸባቢኻ ውን ክብረት ስለዘይትረክብ እዩ። ኩሉ ሰብ ከም ዝደለዮ ኮይኑ ክነብር መሰል ኣለዎ - ነቶም ንጾታዊ-መንነት ዝምልከት ምኽሪ ዘድልየኩም ሰባት ከኣ ማእከል-ጥዕና ኣለኩም።

ጾታዊ መንነንትን ስግረጾትነትን እንታይ ማለት እዩ?

ጾታዊ መንነት ክንብል እንከለና፡ ነቲ ሓደ ሰብ ከም መለለዪኡ ዝወስዶ ጾታዊ መንነቱ ማለትና ኢና። ብኽልእ ቋንቋ እቲ ሰብ ንነብሱ ከም ተባዕታይ ድዩ ዝርእያ ወይሲ ኣንስታይ ዝብል እዩ። ንባህላዊ ቅጥዒታት ጾታዊ መንነት ዝጥሕስ ሰብ ወይ ንነብሱ ካብኡ ወጻኢ ዝርእያ፡ ስግረጾተኛ ተባሂሉ ይጽዋዕ። 

ስግረጾተኛ ዝብል ኣምር፡ ሓደ ዓይነት ነገር ጥራይ ዝገልጽ ኣምር ዘይኮነ፡ ሰፊሕ ዝበለ እዩ። ስግረጾተኛ ዝብል ኣምር እምበኣር፡ ናይቲ ካልእ ተጻይ ጾታ ዝኾነ ክዳን ዝኽደኑ ሰባት (ዶብሰገር ተኸዳናይ፡ ናይ ተጻይ ጾታ ዝኣከዳድንኡ) ንነብሶም ኣይ ምስ ተባዕትዮ ኣይ ምስ ኣንስትዮ ዝቆጽርዋ ሰባት (ኣብ ክልተ ጾታነት ዘይኣምን፡ ክልተ ጾታነት) ከምኡ ውን ኣብ ግጉይ ኣካል ተወሊድና ዝብሉ ሰባት (ስግረጾታነት) ክሓቁፍ ዝኽእል ሰፊሕ ኣምር እዩ። ነዚ ወይ ነቲ ሓደ ክትመስል ከተማልኦ ዝግባእ ቅጥዒታት የለን። እንታይ ደኣ፡ ነፍሲወከፍ ሰብ ንነብሱ ከም ስግረጾተኛ ክርእያ ባዕሉ እዩ ዝውስን። 

ስግረጾትነት ምሳኻ ዝውለድ እምበር፡ መሪጽካ እትኣትዎ ነገር ኣይኮነን። ኣብ ንኡስ ዕድመ ምጥባር ልሙድ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ኣብ ጎድኒኻ ኮይኑ ዝሕግዘካ ማሕበራዊ ኔትዎርክ ክህሉ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ።

ስግረጾትነት፡ ሓደ ሰብ እንታይ ዓይነት ጾታዊ ኣንፈት ኣለዎ ኣይሕብርን እዩ። ምስ መን ስጋዊርክብ ክትፍጽም ኢኻ ወይ ውን ንመን ከተፍቕር ኢኻ፡ ኣብ ጾታዊ መንነትካ ዝምርኮስ ኣይኮነን። ሓደ ስግረጾተኛ ዝኾነ ሰብ፡ ከም ማንም ካልእ ሰብ፡ ሰዶመኛዊ፡ ፍሉየጾተኛ፡ ድርብጾታዊ ወይ ውን ካልእ መግለጺ ጾታዊ መንነት ክህልዎ ይኽእል።

እዚ ጸገም ንህይወተይ ብኸመይ ይጸልዎ?

መብዛሕትኦም ስግረጾተኛታት ገነ ብንኡስ ዕድሚኦም እንከለዉ እዮም፡ ምስኦም ዝውለድ ጾታዊመንነቶም ቅኑዕ ከምዘይኮነ ዘለልይዎ። ጾታዊመንነትይን ኣካለይን ሓደ ኣይኮነን ብዝብል ስምዒት ምስቓይ፡ ጾታዊ ስእነተቕሳነት (könsdysfori) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሰባት ንሓደ ሰብ፡ ከምቲ ብውሽጡን ብደጊኡን ዝኾኖ ጌርም ክርእይዎ ዘይምኽኣሎም፡ ነቲ ግዳይ ብሻቕሎትን ጭንቀትን ክወሓጥን፡ ንነፍሰቅትለት ዝድርኽ ሓሳባት ክግንፍሎን ይገብር። 

ብዙሓት ስግረጾተኛታት ኣብ ደሓን ዝኾነ ኩነተኣእምሮ ዝርከቡ ኮይኖም ብሰንኪ ጾታዊመነነቶም ውን ኣይጭነቑን እዮም። ከም ሓደ ጉጅሌ ክንርእዮም እንከለና ግን፡ መጽናዕታት ውን ከምዘነጽሮ፡ ስግረጾተኛታት ብፍላይ ከኣ መንእሰያት፡ ካብ ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ልዕል ዝኾነ ናይ ስነኣእምሮኣዊ ዘይምጥዓይ ጸገማት ኣለዎም። ቃዝኖትን ጭንቀትን ኣዝዮም ልሙዳት እዮም። 40 ሚእታዊት ናይ መንእሰያት ዝኾኑ ስግረጾተኛታት ኣብ ገለ እዋን ህይወቶም ከሕልፉ ፈተነ ኣካይዶም ይፈልጡ እዮም።

ካብ ሰብካ ዝተፈለኻን ጥፉእን ኮይኑ ክስመዓካ ቀሊል ነገር ኣይኮነን። እዚ ኸኣ፡ ግዳይ ከም ወቐሳ፡ ተነጽሎን ዘይምቕሳንን ክትከውን ይገብረካ። ሓደ ካብ ሓሙሽተ ስግረጾተኛታት፡ ብሰንኪ ጾታዊመንነቱ ንዓመጻዊ ተግባር ተቓሊዑ ይፈልጥ። ፍርቂ ናይዚኦም ከኣ፡ ንኣነዋሪ ዝኾነ ተግባራት ተቓሊዖም ይፈልጡ። ብማሕበራዊ ዓይኒ ክርአ እንከሎ፡ ስግረጾትነት ኣብ ሕብረተሰብና ቅቡል ነገር ኣይኮነን። ተጻዋርነት ንምዕባይን፡ ንስግረጾተኛታት ዝገጥሞም ሕዱር ጽልኢ ንምውጋድን ብዙሕ ክስራሓሉ ዝግብኦ ዝተረፈ ነገራት ኣሎ።

ክረኽቦ ዝኽእል እንታይ ዓይነት ሓገዝ ኣሎ?

ብሰንኪ ጾታዊመነነቱ ኣብ ስነኣእምሮኣዊ ዘይምጥዓይ ዝወደቐ ሰብ፡ ሕክምናዊ ረድኤት ክሓትት ይግባእ። ዝኾነ ሰብ ከምቲ ዝደለዮ ክኸውንን፡ ኣብ ደሓን ዝኾነ ኩነተኣእምሮ ናይ ምህላውን መሰል ኣለዎ። ንስኹም ባዕልኹም ወይ ውን ቤተሰብኩም ኣብ ናይ ቃዝኖት፡ ትካዘ ወይ ውን ብኻልእ መልክዕ ሕማቕ ምስማዕ ኩነት ምስ እትህልዉ፡ ምስ ማእከል ክንክንጥዕና ወይ ውን ማእከል ሓፈሻዊ ሲካትሪ ተራኺብኩም ሓገዝ ሕተቱ። ኣካላቱ ቅኑዕ መልክዕ ከትሕዝ ዝደሊ ሰብ ውን፡ ኣብዚ ማእከላት ምኽሪ ክረክብ ይኽእል እዩ።

መርመራጾታ እንታይ እዩ?

ጾታዊ ምስትኽኻል ከምኡ ውን ኣብ መወዳእታ ሕጋዊ ምቕያር ጾታ ክገብር ዝደሊ ሰብ፡ መጀመርያ ምርመራጾታ ክገብር ኣለዎ። እቲ መስርሕ ብውሑዱ ክልተ ዓመት ይወስድ። እቲ መስርሕ ነዊሕ ዝገብሮ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ሰብ ኣየናይ ጾታ እዩ ምስ ኣካላቱ ዝያዳ ዝኸይድ ንምፍታን ካብ ዝብል እዩ።

ብመጀመርያ ዘድሊ ነገር ረፈራል (ረሚስ) እዩ። እዚ ረፈራል፡ ካብ ተራ ማእከል ክንክንጥዕና ወይ ውን ካብ ማእከል ሓፈሻዊ ሲካትሪ ከተምጽእዎ ትኽእሉ። ሕክምናዊ ሓገዝ ምሕታት፡ ሓሚምካ ኣለኻ ማለት ዘይኮነ፡ ሕክምናዊ ብቕዓት ክፍሊጥዕና ኣድሊዩካ ኣሎ ማለት እዩ። ንጾታዊ መንነትካ ዝምልከት ርግጸኛ ክትከውን ግድን ኣይኮነን። መርመራጾታ ከትገበርካ ውን እንታይ ዓይነት ምቕይያራት ክግበረልካ ትደሊ ክትፈልጦ ውን ግድን ኣይኮነን።