Ge en gåva

ኣደራዕ (ትራውማ)፡ ተገልሎን ምግምማዕ ሰብኣዊ-መንነትን

ተገልሎ፡ ክንኣልዮ ወይ ውን ክንጻወሮ ዘጸግመና ጦብላሕታታት ክውሕጠና እንከሎ፡ ዝፍጠር ኲነት እዩ። ቀንዲ ጠንቂ ተገልሎ፡ ሕማቕ ተመኲሮ ዝፈጠሮ ጸቕጢ ኮይኑ፡ ከም ሳዕቤኑ ከኣ እቲ ግዳይ ብሃንደበት ዝለዓሉ ምልክታት ዘይምጥዓይ ክውረር ይርአ። ነዚ ከም ካልእ ጸገም ጌርካ፡ ምውሳድ ልሙድ ነገር ኮይኑ፡ ትኽክለኛ መልክዕን ባህሪ ናይቲ ጸገም ንምፍላጥ ዝግበር መርመራ ኸኣ፡ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ እዩ።

ተገልሎ እንታይ እዩ?

ተገልግሎ ፍልየት ዘስምዕ ኮይኑ፡ ኣካላትና ካብ ቀልቢና ዝተፈልየ ነገራትን ተግባራትን ከአንግድ ይጅምር። እቲ ግዳይ ናይ ተገልሎ ዝኾነ ሰብ፡ ኣብ መንጎ ተዘክሮ፡ መንነት፡ ኣስተብህሎ፡ ስምዒታት፡ ምንቕስቓሳዊ ብቕዓትን ጠባያትን ዘሎ ናይ ውህደት ሚዛን፡ ክሕሉ የጸግሞ።

ሕሉፍ ሕማቕ ተመኲሮ ዝበገሶ ጸቕጢ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መበገሲታት ተገልሎ እዩ። ገለ ኣብ መከራ ዝርከቡ ሰባት፡ ንነብሶም ካብቲ ዝርከቡሉ ዘለዉ ጸገም ጋሪዶም፡ “ዘይንሶም ይኾኑ“። እዚ ኸኣ፡ ነቶም ሰባት ነቲ ዘለዉዎ ኩነታት ምርዳእ ክስእኑን፡ ርትዓዊ ዝኾነ መልሰ-ተግባር ክህቡን የጸግሞም። ተገልሎ፡ ኣካላትና ካብ ዜሰካሕክሕ ወይ ውን ዘሕፍር ተዘክሮታትን ፍጻሜታትን፡ ንነብሱ ንምግታእ ዝወስዶ ስጉምቲ እዩ። ካብዚ ተዘክሮታት ንምርሓቕ ኣካላትና ክግለል ክመርጽ እንከሎ፡ እቶም ተዘክሮታት ዘገንፍልዎ ጭንቐት ንምንካይ ካብ ዝብል እዩ። ብኸምዚ ከኣ፡ እቲ ሰብ ነቲ ፍጻሜታት ይኹን ንሶም ዘለዓዕልዎ ስምዒታት ምዝካር ይስእኖ።

ዓመጽ ዝተሓወሶ ናይ ኣተዓባባያ ጸገማት፡ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት፡ ጃምላዊ ቕትለት ወይ ውን ዘይምትእምማን ዝፈጠሮ ስድራ-ቤታዊ ቅልውላው ውን ጠንቂ ተገልሎ ክኸውን ይኽእል እዩ። ተገልሎ ምስ ካልእ ስነ-ኣምእሮኣዊ ሕማማት ብፍላይ ከኣ፡ ሕሉፍ ሕማም ተመኲሮ ዝፈጠሮ ኣእምሮኣዊ ምምዝባል (PTSD) ክጎራበት ይኽእል እዩ። ግዳያት ተገልሎ ብጭንቀት፡ ሻቕሎት፡ ቅጥዒ-ኣልቦ ዝውተራ ኣልኮልን ዕጸ-ፋርስን ውን ይንጸላለዉ እዮም። ዘይርጉእ ስምዒታዊ ዝምባዔ ሰብኣዊ-መንነት (emotionellt instabil personlighetsstörning) ዘለዎም ሰባት ወትሩ ብጸገም ተገልሎ ውን ይሳቐዩ እዮም። (ንመለለዪታት ናይቲ ሕማም ብዝምልከት ኣብዚ ኣቲኹም ኣንብቡ)።

ተገልሎኣዊ ዝምባዔ ሰብኣዊ-መንነት እንታይ እዩ (DID)?

ተገልሎኣዊ ዝምባዔ ሰብኣዊ-መንነት፡ ኣቐዲሙ ብዙሓዊ ሰብኣዊ መንነት ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። እዚ ሕማም ኣዝዩ ሳሕቲ ዝርአ፡ “ምግምማዕ“ ሰብኣዊ-መንነት ናብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዝፈጥሮ ሕማም እዩ። እዚ ጸገም ጸለዎ ሰብ፡ ሰብኣዊ-መንነቱ ዝተገማምዐ ኮይኑ፡ ንባዕላዊ መንነታዊ ስምዒት ኣመዛቢዑ ነቲ ሰብ ውን ገዛእ ተግባራቱ ክቆጻጸር ከምዘይክእል ይገብሮ። እዚ ሕማም`ዚ ብጌጋ ከም ሕማም ምምስቓል-ኣእምሮ (schizofreni) ጌርካ ትርእዮ። ንኣካላትካ ውን ካልእ ሰብ ከም ዝቆጻጸሮ ዘሎ ጌርካ ናይ ምውሳድ ስምዒት ይፈጥረልካ።

እቲ በዚ ሕማም ዝተጠቕዐ ሰብ፡ ዝተፈላለየ ምንቅስቓሳዊ-ባህሪ፡ ድምጺ፡ ጠባይ፡ ተዘክሮታትን ተመኲሮታትን ዘለዎ፡ ብቑልጡፍ ዝቕያየር፡ ካብ ብዙሕ ገጻት ዝቆመ ሰብኣዊ-መንነት ኣለዎ። 90 ሚእታዊት ናይቶም በዚ ሕማም ዝጥቅዑ ሰባት፡ ክዓብዩ እንከለዉ፡ ብከም ምክልባት ወይ ውን ጾታዊ ዓመጽ ዝኣመሰሉ ሕማቕ ተመኲሮታት ወይ ጸበባ፡ ዝሓለፉ ሰባት እዮም። ግዳያት ናይዚ ሕማም ዝኾና መብዛሕትአን ደቂ-ኣንስትዮ እየን። ዳርጋ ፍርቂ ናይተን በዚ ሕማም ዝተጠቕዓ ኸኣ፡ ኣብ ገለ እዋን ነፍሰ-ቕትለት ክፍጽማ ፈቲነን ይፈልጣ እየን።

እዚ ሕማም ንህይወተይ ብኸመይ ይጽሎ?

ተገልሎኣዊ ዝምባዔ፡ ነቲ ግዳይ ዝኾነ ሰብ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ስምዒታት ክቕጀሎን፡ ዝተራእየካ ናይ ምድርጓሕ ስምዒት ክሰፍኖን ይገብር። ብዜካ`ዚ፡ መንፈሱ ካብ ኣካሉ (ምቕንጣጥ ሰብኣዊ-መንነት) ወይ ውን ካብ ከባቢኡ (ምቕይያር ደገኣዊ መረዳእታ) ዝተፈልየ ኮይኑ ይስምዖ። እቲ ግዳይ በዚ ሕማም ምስ ዝድነስ፡ ክስወር፡ ስምዒቱ ክደርቕን ኣካላቱ ምእዛዝ ውን ይኸብዶ። ንሕማም ምንፍርፋር ዝመሳስል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ውን ከጋጥም ይኽእል እዩ። ብዙሓት ሰባት፡ ሓደገኛ ዝኾነ ኣካላዊ ሕማም ዘጥቅዖም ጌሮም እዮም ዝወስድዎ።

መስርሕ ምንጻር መንነት ሕማምን ፍወሳን

ተገልሎኣዊ ኲነተ-ዘይምጥዓይ ኣንጸላልይዎም ሕክምናዊ ረድኤት ንምርካብ ምስ ኣገልግሎት-ጥዕና ዝራኸቡ ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰብ ብጌጋ ይርድኦምን ኣይኣምኖምን እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ኣገልሎት-ጥዕና ንመንነት ናይቲ ሕማም ንምንጻር ንዝገብሮ ጻዕሪታት መሊሱ ከምዝተሓላለኽ ይገብሮ። እቲ ዘይምጥዓይ ካልእ ነዊሕ ዕምሪ ዘለዎ ኣካላዊ ሕማም ዝፈጠሮ ከይከውን ንምርግጋጽ፡ መጀመርያ ምሉእ ሕክምናዊ መርመራ ክግበር ኣለዎ። ብድሕሪ`ዚ እቲ ቀንዲ ዕዮ-ገዛ፡ እቲ ጸገም ካብ ምንታይ ዝተበገሰ እዩ ኢልካም ምምርማር ይኸውን። ኣብዚ መስርሕ`ዚ፡ ሲካትሪያዊ ፈዋሲ ይጽመድ እዩ።

ንስኻትኩም ወይ ውን ቤተ-ሰብኩም ብጸገም ተገልሎ ትሳቐዩ ኣለኹም ኢልኩም ምስ እትጥርጥሩ ሓፈሻዊ ምኽሪ ንምርካብ፡ ናብ ኣገልግሎት-ጥዕና ወይ ውን ናብ ሓፈሻዊ ማእከል ሲካትሪ ብምኻድ ሕክምናዊ ረድኤት ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ምልክታት ተገልሎኣዊ ሕማም ሃንደበታውያንን ባህሮም ክትርድኦም ኣጸገምትን እኳ እንተኾኑ፡ እቲ ሕማም ክፍወስ ይኽእል ምዃኑ ክትርስዑ ግን ኣይግባእን። እቲ ፍወሳ መድሃኒታትን፡ ኣድራዕ ንምፍዋስ ዝዓለመ ፍወሳ ሕማም ኣእምሮን ዘማልአ እዩ።