Ge en gåva

ኣእምሮኣዊ ሕንፍሽፍሽ

ምልክታት ሕማም ኣእምሮኣዊ ሕንፍሽፍሽ ዘለዎ ሰብ፡ ግዳይ ሕማም ኣእምሮ ይኸውንን ኩነተ-ኣእምሮኡ ውን ተገላባጣይ ይኸውን። እዚ ሕማም`ዚ፡ ድንግርግር ዝፈጥርን ዘየላቡን ኮይኑ ዝኾነ ፍወሳዊ ስጉምታት ምስ ዘይንወስድ ከኣ፡ ከቢድ ሳዕቤናት ከኸትለልና ይኽእል። ግዳይ ናይዚ ሕማም ከኣ ናብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ከይዱ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል እዩ።

ኣእምሮኣዊ ሕንፍሽፍሽ (schizoaffektivt syndrom) እንታይ እዩ?

ኣእምሮኣዊ ሕንፍሽፍሽ ንማእከላይ ዓይነት ምምስቓል-ኣእምሮን ወፈፍታ ጭንቀት ይመሳሰል። ኪደት ናይቲ ሕማም ወትሩ ወቕታይ ወይ ጸጸኒሑ ዝቕልቀል፡ ንኪደት ሕማም ወፈፍታ ጭንቀት ዝመሳሰል ኮይኑ፡ ሓንሳብ ምሕዋይ መሊስካ ኸኣ ምሕማም ዘጠቓለለ እዩ።

ምልክታት ናይዚ ሕማም፡ ከም ቃዝኖት፡ ንቡር ዘይኮነ ውዕዉዕ ስምዒትን ከቢድ ሽቕሎትን፡ ንምልክታት ሕማም ውፈፍታ ጭንቀት ዝመሳሰል እዩ። እዚ ሕማም`ዚ፡ ንሕማም ምምስቓል-ኣእምሮ ዘዘኻኽሩ ምልክታት ከም መትሓዚ ዘይብሉ ዓጀውጀውን ምህትፍታፍን ውን የርኢ እዩ። መለለይቲታት ናይዚ ሕማም ቅጽበታውያንን ዘየላብዉን ኮይኖም ንነብሰ-ቕትለት ደፋፍኡ ስምዒታት ውን ከለዓዕሉ ይኽእሉ።

እዚ ሕማም ንህይወተይ ብኸመይ ይጸልዎ?

እቲ ሕማም ኣብ ዝወረና ግዜ፡ ኣእምሮና ከም ልሙድ ይሓምም። እቶም ቅጽበታውያን ምልክታት ናይዚ ሕማም፡ መድሃኒታዊ ፍወሳን ኣብ ሕክምና ደቂስካ ምፍዋስን፡ ዋላ ንሓጺር ግዜ ይኹን፡ ኣገዳሲ ይገብርዎ። እቲ ሕማም ንኣዋርሕ ዝጸንሕ ኮይኑ ገለ መድሃኒታት ምውሳድ ከኣ ውጽኢታዊ ኮይኑ ንረኽቦ። እቲ ግዳይ ዳግማይ ናብ ንቡር ህይወቱ ክመለስ ምእንቲ ካብ ዝብል፡ እቲ ዝወሃብ መድሃኒታት ነቲ ሕማም ከም እንደገና ከይቕልቀል ዘሎ ተኽእሎታት ዝንኪ እዩ።

ኲነታተይ ክመሓየሽ ይኽእል`ዶ?

ኪደት ናይዚ ሕማም ሕንፍሽፍሽ ዘእትወልናን ንነብሰ-ርድኢትና ውን ከቢድ በሰላታት ዝገድፍን እዩ። እቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ግን እዚ ሕማም ኣብ በይንኻ ዝወረደ ጥራይ ከምዘይኮነ ምፍላጥን ውጽኢታዊ ዝኾነ ሕክምናዊ ግዳፍ ክትረክብ ከምእትኽእልን ምፍላጥ እዩ። እቲ ግዳይ ብዛዕባ`ዚ ሕማም ዘለዎ ኣፍልጦ ምስ ዘዕቢ፡ ኣብ ዕለታዊ ህይወቱ ነቲ ሕማም ንምእላዩ ኣየጸግሞን እዩ።

ባዕልኹም ወይ ውን ቤተ-ሰብኩም ምልክታት ሕማም ኣእምሮ ወይ ውን ኩነተ-ኣእምሮኡ ተለዋዋጢ ይኸውን ኣሎ ኢልኩም ምስ እትጥርጥሩ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ሕተቱ። ነቲ ዘጋጠመካ ባዕልኻ ክትፍውሶ ወይ ዕሽሽ ኢልካዮ ክትሓልፍ ምምራጽ፡ ነቲ ግዳይን ኣብ ከባቢኡ ዘለዉን ሰባት ሓደጋ ዘስዕብ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓገዝ ንምርካብ ናብ ማእከል-ጥዕና፡ ማእከል መቐበሊ መንእሰያት ውይ ውን ማእከል ሲካትሪያዊ ክንክን ንኣባጽሕ ኣምርሑ።

መስርሕ ምንጻር ሕማምን ፍወሳን

ዝስመዓኩም ምልክታት መሰረት ጌርካ መንነት ናይቲ ሕማም ከተነጽር ናይ ምፍታን መስርሕ ኣጸጋምን ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ክኸውን ይኽእል። ንመስርሕ ምንጻር ናይቲ ሕማም ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ዝገብሮ ቀንዲ ጸገም፡ መለለዪታት ሕማም ኣእምሮኣዊ ሕንፍሽፍሽን ምምስቓል-ኣእምሮን ክትፈልዮም ኣጸጋሚ ስለዝኾነ እዩ። ሕማም ምምስቓል-ኣእምሮ ነዚ ሕማም ዝመሳሰል ምልክታት ኣለዎ ኮይኑ፡ ኣገባብ ኣፈዋውስኡ ግን ካብዚ ሕማም ፍልይ ዝበለ እዩ።

መንነት ናይቲ ምልክታት ሕማም ምስ ተነጸረ፡ እቲ ዝግበር ፍወሳ ጸረ ሕማም ኣእምሮ ዝኾኑ መድሃኒታትን ንኩነተ-ኣእምሮ ውን ዘረጋጋእ መድሃኒታት፡ ከም ሊቲዩም፡ የጠቓልል። እዚ ፍወሳታት ነቲ ሕማም ንምህዳእ ውጽኢታዊ እዩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ግዳይ ዳግማይ ኣብ ተመሳሳሊ ኲነታት ክወድቕ ዘሎ ተኽእሎታት ውን ይንክዮ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ሕማም ወትሩ ነባርን ነዊሕ ዝጸንሕን ስለዝኾነ። ድጋፍ ዘስንቕ ዝርርብን ፊዝዮተራፕን ብዛዕባ እቲ ሕማም ዘለካ መረዳእታ ዘዕብን ንምእላዩ ውን ዝሕግዝን እዩ።