Ge en gåva

ሃልኪ (ምጽንቃቕ ዓቕሚ)

ኣብዚ እዋን፡ ጸቕጢ ዝበገሶ ዘይምጥዓይ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ምኽንያታት ናይ ሕማም-ዕረፍቲ እዩ። ጸቕጢ ንነዊሕ ግዜ ምስ ዘንጸላልወካ፡ ናብ ሃልኪ ወይ ምጽንቃቕ ዓቕሚ ክምብዕል ተኽእሎ ኣሎ። ምሳና ነዊሕ ዝጸንሕ ሕማም፡ ኣካልናን መንፈስና ክርመስ ዝገብር ኮይኑ፡ ምልክታቱ ውን ሸለል ኢልናዮ ክንሓልፍ ዘይግባእ እዩ።

ሃልኪ (ምጽንቃቕ ዓቕሚ) እንታይ እዩ?

ሃልኪ ውጽኢት ናይ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ነባሪ ጸቕጢ እዩ። ነዊሕ ዝጸንሐ ክንብል እንከለና ንኣስታት ፍርቂ-ዓመት ብዘይእኹል ዕረፍቲ ዝቐጸለ ጸቕጢ ማለትና እዩ። ሃልኪ ኣቐዲሙ ጽንቃቔ ዓቕሚ ተባሂሉ ይጽዋዕ ኔሩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ሓንጎልና ግዳይ ልዑል ተጽዕኖ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝፍጠር ጸቕጢ ከኣ ንሕማም ዝቃልዓና ይኸውን።

ሃልኪ ሰለስተ መድረኻት ዘጠቓለለ እዩ። እቲ ቀዳማይ ብፕሮዶርማል-ፋስ (prodromalfasen) ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ምልክታት ጸቕጢ ክረኣየሉ ዝጅምር ግዜ ኮይኑ፡ እዚ ግን ነቲ ግዳይ ዕለታዊ ስርሑ ንምስላጥ ዘይዓግቶ እዩ። መብዛሕትኦም ሰባት እቲ ዝስምዖም ምልክታት ብምንባብ፡ ጸቕጢ ዝፈጠሮ ምዃኑ ተረዲኦም ዕለታዊ ኣካይደኦምን ኩነተ-ናብራኦምን ከስተኻኽሉ ይረኣዩ።

ነዚ ኩነታት ዕሽሽ ኢልካዮ ጥራይ ክትቕጽል ምስ እትመርጽ፡ ናብቲ ቀጺሉ ዘሎ መድረኽ ናይ ጸቕጢ ክትሰጋገር ትግደድ። እዚ መድረኽ እዚ ኸኣ፡ ተሃዋሲ-መድረኽ (akutfasen) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ መድረኽ`ዚ ከይተረደኣካን ብቑልጡፍን ኢኻ ትኣቱ። በዚ ኸኣ፡ “ግዳይ ምጽንቃቕ ዓቕሚ“ ትኸውን። ተሃዋሲ-መድረኽ ሰሙናት ዝጸንሕ ኮይኑ፡ እቲ ግዳይ ዝኾነ ነገር ክገብር ውን ኣይክእልን። ካብ ዓራት ምትሳእ፡ ሓሲብካ ክትዛዝም ወይ ውን ኣተኲርካ ክትሓስብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ትረኽቦ። ኣብ ሓደ እዋን ብዙሕ ነገራት ክትገብር ዘኽእለካ ዓቕሚ ይጠፍእ። እቲ ግዳይ ምልክታት ቅብጸተ-ተስፋ ከርኢ ብራዕዲ ውን ክወሓጥ ይኽእል እዩ። ገለ ገለ ኸኣ ነዚ ብጌጋ ጭንቀት ኢሎም ይርድእዎ።

እቲ ሳልሳይ መድረኽ ከኣ፡ ናይ ዳግማይ-ሕውየት መድረኽ (återhämtningsfasen) እዩ። ኣብዚ መድረኽ ፡እቲ ግዳይ ኣብ መወዳእታ፡ ሕሉፍ ድኻም፡ ጽልኣት-ጸቕጢ፡ ጸገም ኣትኲሮን ምዝካርን ዝኣመሰሉ ጸገማት እናሃለዉዎ፡ እግሪ ክተክል ይጅምር። እቲ ናይ ዳግማይ-ሕውየት ግዜ እናነውሐ ክኸይድ እንከሎ፡ እቲ ግዳይ ንቡር መዓልታዊ ህይወቱ ከሰላስል እንዳኸኣለ ይመጽእ። ሃልኪ ዘስዕቦም ምልክታት ዘይምጥዓይ እንዳጠፍኡ ክኸዱ እንከለዉ፡ ልዑል ጽልኣት-ጸቕጢ ግን ንዝተወሰነ ግዜ ይቕጽል እዩ።

ሃልኪ ንህይወተይ ብኸመይ ይጸልዎ?

80 ሚእታዊት ናይቶም ብጸቕጢ ዝጥቕዑ ሰባት፡ ደቂ-ኣስትዮ እየን። መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ክጥቕዑ ዘይትጥርጥሮም ሰባት እዮም ግዳያት ጸቕጢ ዝኾኑ። ንሳ/ንሱ ኣብ ስራሕ ንፉዕ/ንፍዕቲ እዩ/ያ ኔራ/ሩ። ዝዕእበየ ናይ ስድራ ሓላፍነይ  ይ/ትወስድ ኔሩ/ራ። ናይ ካልኦት ድልየት ቅድሚ ናታ/ቱ ይ/ትሰርዕ ኔራ/ሩ።

መለለዪታት ጸቕጢ ብዙሕን ዝተፈላለየን እዮም። ጸቕጢ ዘርእዮ ኣካላዊ ምልክታት ከም ንኣብነት፡ ቃንዛ ሕቆ፡ ቃንዛ ርእሲ፡ ምልክታት ዘይምጥዓይ ከብድን መዓናጡን፡ ናህሪ ትርግታ ልቢ ከምኡ ውን ምድኻም ናይቲ ሕማም ዝከላኸል ስርዓተ-ኣካልና ክጥቀሱ ይከኣል። ሓደ ሰብ ክደክም ይኽእል እኳ እንተኾነ፡ ክዛነን ክድቕስን ግን ኣይክእልን። ዘይምቕሳን፡ ሻቕሎት፡ ቃዝኖት፡ ከምኡ ውን ጸገም ምትኳር ውን ይርአ እዩ።

ሕክምናዊ ረድኤት ምሕታት ንምንታይ ተደልየ?

ናይ መጠንቐቕታ ምልክታት ኣካልካ ኣንቢብካ፡ ቀልጢፍካ ሕክምናዊ ሓገዝ ምሕታት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ክሳብ ትሃልኽ ተጸቢኻ መሊስካ ናብ ንቡር ምምላስ ከቢድን ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ኮይኑ፡ ቀልጢፍካ ሕክምናዊ ረድኤት ምሕታት ግን ነቲ ሕማም ከይሳዕረረ እንከሎ ክትኮልፎ ትኽእል። ሃልኪ ብኢድካን እግሪኽእም ምስ ሓዘካ፡ ነቲ ቅድሚ ምህላኽካ ዝነበረ ግዜ መጺኡ ዘመስግነካ ሰብ ኣይክትረክብን ኢኻ።

ንስኻትኩም ወይ ቤተ-ሰብኩም ብሰንኪ ጸቕጢ ዘስዓቦ ጸገማት፡ ንሕማም ተሳጢሑ ምስ ዝርከብ፡ ናብ ማእከል-ጥዕና ወይ ውን ትካላዊ ማእከል ጥዕና ብምኽእድ ሕክምናዊ ሓገዝ ሕተቱ። እቲ ምልክታት ናይቲ ሕማም ዘየላቡ ምስ ዝኸውን ናብ ክፉት ማእከል ሲካትሪ ኬድኩም ሓገዝ ሕተቱ። ሓኪም ረኺቡ ኣካልኩም መርሚሩ፡ ከመይ ይስመዓኩም ከም ዘሎ ውን ክሓተኩምን ክሰምዓኩምን እዩ። እቲ ጠንቂ ናይቲ ጸገም ካልእ ከይከውን፡ ወትሩ ናይ ደም መርመራ ይግበረልኩም እዩ።

ናብ ንቡር ኩነተ-ጥዕና ክምለስ ይኽእል`ዶ?

ዋላ`ኳ ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ልዑል ጽልኣት-ጸቕጢ ውን ዘስዕብን እንተኾነ፡ መብዛሕትኦም ብሃልኪ ዝተጠቕዑ ሰባት ናብ ንቡር ኩነታቶም ይምለሱ እዮም። ስለኾነ ከኣ፡ ደጊምካ ኣብ ተመሳስሊ ኩነታት ናይ ምውዳቕ ተኽእሎታት ኣሎ። ኣካላትና ናብ ንቡር ክምለስ ምእንቲ ክኽእል፡ እቲ ግዳይ ናይ ሕማም-ዕረፍቲ ክወስድ ወይ ውን ተጽዕኖ-ስራሕ ክንኪ ኣለዎ። ኣካላት ዘዛንዩ ልምምዳት፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስን እኹል ድቃስ ምውሳድን፡ ንመስርሕ ዳግመ-ሕውየት ሓጋዚ እዩ። ዕለታዊ ጠለባት ህይወትኩም ነኪኹም፡ ምስ የዕሩኽን ስድራ-ቤትን ኮይንኩም ደስ ዝብልኩም ነገራት ግበሩ።

እቲ ኣገባብ ፍወሳ፡ እኩብ ዝርርባዊ ተራፒ (samtalsterapi) ወይ ውን መድሃኒታት ምውሳድ ዝጠቓለለ እዩ። እቲ መድሃኒት ግን ነቲ ጠንቂ ናይ ጸቕጢ ዝኾነ ነገር ንምብራዝ ዝዓለመ እምብር፡ ነቲ ጸገም ምሉእ ብምሉእ ዝፍውስ መድሃኒት ከምዘይኮነ ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።