- Other languages
ወልፍ ጸወታ-ቁማር
ብዙሓት ሽወደናውያን ምስ ናይ ገንዘብ ጸወታታት ቁማር ጸገም ኣለዎም። ብሰንኪ’ዚ እዚ ኸኣ ወልፊ-ጸወታ ቁማር ከማዕብሉ ተኽእሎታት ኣሎ። ኣብ ማሺን ከምኡ ውን ብኢንተርነት ዝካየድ ጸወታታት፡ ገለ ካብቶም ቀንዲ ውሉፍ ክገብሩኻ ዝኽእሉ ጸወታታት እዮም። እዞም ወልፍታት እዚኣቶም ምስ ወልፊ ኣልኮላዊ-መስተን ሓሺሽን ከነወዳድሮ እንኽእል ሕማም ክትሓምም ይገብሩኻ።
ወልፊ–ጸወታ ቁማር እንታይ እዩ?
ኣስታት 2% ናይ ኣባጽሕ ሽወደን ብሽግር ጸወታን ወልፊ–ጸወታ ቁማርን ዝተንጸላለዉ እዮም። ናይ ጸወታ ሽግር ክንክብል እንከለና፡ ኣብ ህይወትና ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘኸትል መእሰሪ ዘይብሉ ወይ ፍኑው ጸወታ ማለትና እዩ። ንጥዕናና፡ ማሕበራዊ ህይወትና ዝሃሲ ኮይኑ፡ ኣብ ቁጠባዊ ሽግራት ክንኣቱ ይገብረና። ናይ ጸወታ ሽግር ዘለዎ ሰብ፡ ሕማም ወልፊ–ጸወታ ውን ክሕዞ ይኽእል።
ወልፊ–ጸወታ ቁማር ወይ ውን ዘይዕገት ወልፊ–ቁማር፡ ምስ ወልፊታት ኣሎኮላዊ–መስተን ድሮጋን ክነወዳድር እንኽእል ኣእምሮኣዊ ሕማም እዩ። ልክዕ ከምቶም ካልኦት ወልፊታት፡ ወልፊ–ቁማር ውን ንወሃቢ ፍረ–ጻማ ዝኾነ ክፋል ኣእምሮና ከምዝመዛበል ይገብሮ። ሓደ ሰብ ቁማር ክንክዮ ወይ ውን ክገድፎ ኢሉ ምስ ዝፍትን እሞ ምስዘይክእል፡ በዚ ሕማም ተጠቂዑ ኣሎ ክንብል ንኽእል። ነቲ ናይ ጸወታ ወልፊኻ ከትርዊ ምስዘይትኽእል ከኣ፡ ምዕልባጥን ቁጥዐን ይፈጥረልካ።
ካልእ መለለዪታት ሕማም ወልፊ–ቁማር፡ እትጻወተሉ ገንዘብ እንዳኣዛየድካ ምኻድ፡ ምስ ተበላዕካ ሕነ ክትፈዲ ምድላይ፡ ቀጻሊ ብዛዕባ ቁማር ምሕሳብ ወይ ውን ንቑማር ዝኾነካ ገንዘብ ብኸመይ ትረክብን ዝብል ይርከቦ። ብዙሓት ሰባት፡ ኣሉታዊ ዝኾነ ስምዒታት ከም ሻቕሎት ወይ ውን ቃዝኖት ንምውጋድ ኢሎም እዮም ቁማር ዝጻወቱ።
ጸወታ–ቁማር ንህይወተይ ብኸመይ ይጸልዎ?
ጸወታ–ቁማር፡ ነቲ ግዳይ ናቱ ዝኾነ ሰብን ኣብ ዝርዩኡ ዝርከቡ ሰባት`ዩ፡ ብዝያዳ ብኣሉታ ዝጸልዎም። ወልፊ–ቁማር ንምኽዋል፡ ብዙሓት ወልፈኛታት ንቤተሰቦምን የዕሩኽቶምን ይሕስዉዎም። ኣብ መወዳእታ ግን፡ እቲ ግዳይ ዝኣትዎ ቁጠባዊ ዕዳታት ኣዝማዱ እዮም ክኸፍልዎ ዝግደዱ። እዚ ኸኣ ብዙሕ ዝምድናታት ይሃሲ። ንቁማር ከም እንኮ ኣገዳሲ ነገር ጌሩ ዝሰርዖ ሰብ፡ መቋመሪ ዝኾኖ ገንዘብ ንኽረክብ ገበን ክፍጽም ድሕር ኣይብልን እዩ። ኩነት–ህይወት ስለዝቕየር ከኣ፡ እቲ ሰብ ክሰርሕ ይኹን ክመሃር የጸግሞ።
ብዙሓት ወልፈኛታት ካልእ ስነ–ኣእምሮኣዊ ጸገማት ከም ሻቕሎት፡ ጸቕጢ ወይ ውን ፍኑው ምዝውታር ኣልኮላዊ–መስተ ውን ኣለዎም። እዚ ኸኣ፡ ንቁማር ናፍታ ኮይኑ ከም ዝንህር ይገብሮ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ውለፊ ገንዘብ ንምብላዕ ዘይኮነ፡ ፍረ–ጻማዊ ክፍሊት ካብ ኣእምሮ ንምርካብ ዝዓለመ እዩ።
ካብዚ ሽግር ክገላገል ይኽእል`ዶ?
ወልፊ–ጸወታ ቁማር፡ ሓደ ካብቶም እንዳኣስፋሕፍሑ ዝመጹ ዘለዉ ህዝባዊ ጥዕናዊ ጸገማት ኮይኑ፡ ሕጊ ክወጽኣሉ ውን ተጌሩ ኣሎ። ካብ ጥሪ 2018፡ እቶም ውልፊ–ጸወታ ቁማር ዘለዎም ሰባት፡ ልክዕ ከም ውሉፋት ኣልኮላዊ–መስተን ድሮጋን፡ ተመሳሳሊ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ክህልዎም እዩ። እዚ ስጉምቲ`ዚ፡ ጸወታ–ቁማር ብዝምልከት እቲ ሕብረተ–ሰብ ናቱ ሓላፍነት ይወስድ ማህላዉ ዘመላኽት እዩ።
ጊላ ጸወታ–ቁማር ምዃን፡ ንህይወትካ ብብዙሕ መኣዝናት ዝሃሲ እዩ። እቲ ግዳይን ቤተሰቡን፡ ካብዚ ሽግር ወጺኦም ናብ ንቡር ንኽምለሱ፡ እቲ ግዳይ ነቲ ጸወታ ብቕጽበት ደው ከብሎ ኣለዎ። ነቲ ኣብ ኢንተርነት ዝጽወት ጽወታ ቁማር፡ ደው ከተብሎ ትኽእለሉ መንገዲ ኣሎ እዩ። ኮምፕዩተርን ሞባይልን ናይቲ ግዳይ ንዝተወሰነ ግዜ መንጢልካ ብምሓዝ ውን፡ ነዚ ደው ከተብሎ ትኽእል ኢኻ።
ድጋፍ መቕርብን፡ ምስ ካልኦት ወልፊ–ቁማር ዘለዎም ሰባት ምዝራብ ጽቡቕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ካብ ተነጽሎ ከውጽኣካ ውን ይኽእል እዩ። ካልእ ትርጉም ዘለዎ ነገራት ምግባር ውን ንኣእምሮኻ ካብ ብቁማር ምሕሳብ ክሰርቆ ይኽእል እዩ።
ምንጻር ሕማምን ፍወሳን
ሓኪም ወይ ውን ስነ–ኣእምሮኛ፡ እቲ ውሉፍ ብርክት ዝበሉ ናይቲ ሕማም ምልክታት ኢሉ ምስ ዝግምግም፡ ነቲ ሕማም ከነጽሮ ምርመራ ክገብር ይኽእል። ንስኻትኩም ወይ ውን ቤተ–ሰብኩም ብወልፊ–ቁማር ይርመስ ኣሎ ኢልኩም ምስ እትጥርጥሩ፡ እሞ ኸኣ ኩነተ–ወልፊ ንምግምጋም ምስ እትደልዩ ምስ ማእከል–ጥዕና ከባቢኹም ውይ ምስ ክፉት መቐበሊ ሲካትሪያዊ ክንክን ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ከኣ ንሳቶም ነቲ ውሉፍ–ቁማር ናብ ኪኢላ ውልፊ–ቁማር ዝኾነ ሓኪም ከመሓላልፍዎ ይኽእሉ።
ኣተባባዒ ዝርርብ (Motiverande samtal) ከምኡ ውን ተገንዝቦኣዊ ፍወሳ ባህርን (kognitiv beteendeterapi (KBT) ክልተ ካብቶም ወልፊ–ቁማር ንምፍዋስ እንጥቀመሎም ኣገባባት እዮም። እቲ ፍወሳ፡ ብውልቂ፡ ብእኩብ ወይ ውን ብመንገዲ ኢንተርነት ክካየድ ይኽእል። ኩነታትካ ተኸታቲልካ ኣብቲ ጸገም ዳግማይ ከይትወድቕ ነፍስኻ ምሕላው ውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።