Ge en gåva

ንነፍሰ-ቕትለት ዝደፋፍኡ ስምዒታት

ንነፍሰ-ቕትለ ዝደፋፍኡ ስምዒታት ክግንፍለካ ተራን ከሕፍር ዘይግበኦን ነገር እዩ። ንበይንኹም ጥራይ ዘጋጥመኩም ጸገም ውን ኣይኮነን። ንነፍሰ-ቕትለት ዝደፋፍእ ስምዒታት ይግንፍለካ ማለት፡ ነፍስኻ ከተሕልፍ ትደሊ ኢኻ ማለት ዘይኮነስ፡ እቲ እትርከቦ ኩነታት ክትቕይርን ካብቲ ዘለኻዮ ስቓይ ከኣ ክትገላገልን መታን ፍታሕ ተናዲ ኣለኻ ማለት እዩ። ኣብቲ መንቀራቕሮ ናይቲ ሕሰም ኣቲኻ እንከለኻ ክትርእዮም እኳ እንተዘይከኣልካ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ ዝሓሰብካዮ ካልእ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ዝሓሸ ኣማራጺ ኣሎ እዩ።

ንነፍሰ-ቕትለት ዝደፋፍእ ስምዒታት ምስ ዝግንፍለካ ካብ ሰብ ክትንጸል የብልካን። ብዛዕባ`ቲ ዝስመዓካ ዘሎ ነገር ምስ ትኣምኖ ሰብ ክትዛረብ ኣለካ። እቲ ሰብ እትፈልጦ ወይ ውን መስመር-ድጋፍ ክኸውን ይኽእል። ካብቲ ጸገም ወጺእኩም ናብ ንቡር ንምምላስ ውን፡ ምስ ኣገልግሎት-ጥዕና ክትራኸቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ንነፍሰ-ቕትለት ዝደፋፍእ ስምዒታትን ተስፋ ምቚራጽን

ህይወትኩም ካብ ቁጽጽርኩም ወጻኢ ከይዳ ኢልኩም ተስፋ ምስ እትቆርጹ፡ ነፍሰ-ቕትለት ከም ፍታሕ ክረኣየኩም ይኽእል እዩ። ነፍሲኹም ብምሕላፍ ከኣ፡ ዳግማይ ህይወትኩም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርኩም ከም እተእትውዋ ወይ ናብ ንቡር ከም እትመስልዋ ኮይኑ ክረኣየኩም ይኽእል እዩ። ንነፍሰ-ቕትለት ከም ፍርውሲ ሽግርኩም ጌርኩም ክትወስድዎ ትኻሉ ኢኹም። ህይወትካ ምሕላፍ ግን፡ ብምንም ተኣምር ከም ፍታሕ ክርአ ዝኽእል ነገር ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ብኣንጻሩ፡ ነቲ ህይወትኩም ናይ ምቕያር ተኽእሎታትኩም እዩ ዝኾልፍ።

ካብ ነፍሰ-ቕትለት ወጻኢ ዘሎ ፍታሕ ንምድህሳስ ምስ ሰባት ምዝራብ ከድልየኩም እዩ። ዝወረደኩም ንምኽኣል፡ ክሰምዓኩምን ክርደኣኩም ዝኽእልን ነቲ ዘጋጠመኩም ነገር ወን ብኻልእ መኣዝን ክትርእይዎ ዝሕግዘኩም ሰብ ኣብ ጎኒኹም ክህሉ የድሊ። ዘይሓሰብኩሞ፡ ክሕግዙኹም ዝኽእሉ ሰባት ኣብ ዙርያኹም ክህልዉ ይኽእሉ እዮም።

ንነፍሰ-ቕትለት ዝደፋፍእ ስምዒታት ክግንፍለካ ማለት ከመይ እዩ?

ንህይወትካ ከተሕልፍ ኢልካ ክትሓስብ እንከለኻ፡ ዝገበርካ ጌርካ ኩሉ ነገራት ክመሓየሽ ኣይክእልን እዩ ኢልካ ደምዲምካ ኣለኻ ማለት እዩ። እቲ ዝበጻሕካዮ መረዳእታ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እንከሎ ውን ንዓኻ ግን ኣዕጋቢ ኮይኑ ይረኣየካ። ህይወትካ ምሕላፍ ከም ግዝያዊ ዕረፍቲ ካብቲ ወሪዱካ ዘሎ ጸገም ወይ ውን ፍታሕ ኮይኑ ክረኣየካ ይኽእል እዩ። ህይወትካ ምሕላፍ፡ ከም ክልኩልን ኣነዋርን ነገር ኮይኑ ክስማዓካ ስለዝኽእል፡ ሻቕሎትካ ክንህር ይገብር እዩ።

እዚ ኸኣ፡ ነቲ መሰረት ናይ እነብረሉ ሕብረተ-ሰባት ዝኾነ ልምዲታት ዝብድህ ሓሳባት ስለዝኾነ እዩ። ነብስና ክንኣልን ክንከናኸንን፡ ዕዉታትን ኣውንታውያንን ውን ክንከውን ኣለና። ህይወትካ ከተጥፍእ ምሕሳብ እምበኣር፡ ውጉዝ ኣርእስቲ እዩ። ሕማቕ ኣብ ዝስመዓካ እዋን፡ ንቕጥዒታት ናይቲ እትንነብረሉ ሕብረተ-ሰብ ምኽባር ኣጸጋሚ ኮይኑ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ንነፍሰ-ቕትለት ዝደፋፋእ ስምዒት ምቕልቀለካ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን እምበኣር ካብ ሰብ ክትርሕቕን ክትንጸልን ትመርጽ።

ብኸመይ ከምዚ ካብ ምሕሳብ ክናገፍ ይኽእል?

ነነፍሰ-ቕትለት ዝደፋፍእ ስምዒታት ክግንፍለኩም ምስ ዝጅምር፡ ኣብ በይንኹም ጥራይ ጌርኩም ስቕ ክትብሉ ዘይኮነ ምስ ሰብ ክትዛረቡሉ ኣለኩም። እዚ ሽግር ኣባኻ ጥራይ ዝወረደ ክመስለካ ይኽእል እኳ እንተኾነ፡ በዚ ሽግር ዝሓለፉ ግን ዙሓት እዮም። እቲ ዝስመዓኩም ዘሎ ነገር ንዝሰምዓኩም ሰብ ብምክፋል ነቲ ጽገም ብኻልእ መኣዝን ክትርእይዎን ካልእ ፍታሕ ውን ክትረኽቡሉን ትበቕዑ። እቲ ናይ ነፍሰ-ቕትለት ስምዒታት ኣብ በይንኹም ጌርኩሞ ክትተርፉ ምስ እትመርጹ ግን፡ ናብ ዝበኣሰ ኩነታት ናይ ምስግጋር ተኽእሎታት ኣሎ። ነቲ ኣብ ውሽጢኹም ዝግንፍል ዘሎ ሓሳብ ብጽሑፍ ይኹን ብቓል ኣተንፍስዎ እሞ፡ ሓገዝ ክትረኽቡ ኢኹም።

ኣብ ዓለም፡ ብኸምዚ ዓይነት ናይ ነፍስኻ-ምጥፋእ ሓሳባት ክንጸላለዉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብቲ ጸገም ተገላጊሎም ህይወቶም ኣብ ምምራሕ ዝርከቡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኸመይ ከምዚ ከምዝሓሰቡ ውን ዘደንጽዎም፡ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ከተዘራርቦም እትኽእል መዕእል መን ዝኾኑ ሰባት ኣብ ከባቢኻ ኣለዉ ኣብ ልዕሊ ምሕሳብ ምስ መስመራት-ግዳፍ ኣብ እዋን ጸገም ውን ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም።

መዓስ እየ ድጋፍ ክሓትት ዘለኒ?

ሓደገኛ ዝኾነ ነፍስኻ ከተሕልፍ ዝደፋፍእ ስምዒታት ምስ ዝግንፍለኩም፡ ክኢላዊ ሕክምናዊ ሓገዝ ምሕታት ከድልየኩም እዩ። ናብ ኣገልግሎት-ጥዕና ወይ ውን ማእከል ሲካትሪያዊ ክንክን ብምኻድ ሓገዝ ሕተቱ። ባዕልኹም ናብ ሕክምና ኼድኩም ሓገዝ ክትሓቱ ምስ ዘጸግመኩም ዝኾነ ሰብ ከሰንየኩም ክትውከስዎ ትኽእሉ ኢኹም። ብዝተኻእለ መጠም ቀልጢፍኩም ሕክምናዊ ረድኤት ሕተቱ። ክግበረልኩም ዝኽእል ሓገዝ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ኣለኩም እዩ። ሓደገኛ ዝኾነ ነፍስኻ ንምሕላፍ ዝደፋፍእ ስምዒታት ምስ ዝወረኩም ወይ ውን ነፍሲኹም ንምሕላፍ ጭቡቕ ውጥን ሰሪዕኩም ምስ እትህልዉ፡ ብቕጽበት ሕክምናዊ ረድኤት ሕተቱ።

ነዚ ኣብዚ ዘሎ ሕበሬታ ዝመመየት፡ ማሪ ኦስባሪ፡ ፕሮፈሰር ሲካትሪ ኣብ ላዕለዋይ ትምህርታዊ ትካል ካሮሊንስካ እያ። እዚ ሓበሬታ መወዳእታ ግዜ ምቕይያራት ዝተገብረሉ ዕለት 2017-06-14 እዩ።