Ge en gåva

ቅልውላውን ግብረ-መልሲ ቅልውላውን

ግዳይ ዝተፈላለዩ ቅልውላዋት ምዃን፡ መሪርን ዋኒነት ህይወትካ ምስኣንን ከስምዕ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ኣካል ሰብ ምዃን እዩ። ኣብ ገለ እዋናት፡ ኣብ ቅልውላው እነርእዮ ግብረ-መልሲ ጠንቂ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዘይምጥዓይ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ቅልውላው እንታይ እዩ?

ቅልውላው፡ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት ዝወልዶ፡ ሕሱም መድረኽ ህይወት ናይ ሓደ ወዲ-ሰብ እዩ። እቲ ቅልውላው፡ ብከም ሃንደበታዊ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ፡ ግብረ-ሽበራዊ ፍጻሜ ወይ ውን ሓደጋ ዝፈጠሮ፡ ክሳራ ወይ ውን ምቕይያር ህይወት ክኸውን ይኽእል እዩ። ነዊሕ ስራሕ ናይ ምርካብ ጸገም፡ ቁጠባዊ ሽግር፡ ምፍልላይ ወይ ውን ሓበሬታ ብዛዕባ ዘጥቀዓካ ሕማም ውን ቅልውላው ክፈጥሩልካ ይኽእሉ እዮም።

ልዕሊ ዓቕምኻ ኮይኖም ዝስምዑኻ ነገራት ምግጣም ውን፡ ቅልውላው ከኸትሉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ኸኣ፡ ምቕይያራዊ ቅልውላው ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ ነብስኻ ናይ ምስኣን፡ መን ምዃንካን እንታይ ከም እትደሊ ዘይምፍላጥን ዝዓይነቱ ስምዒታት ከኸትል ይኽእል። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ እንኮ ኣብ ገዛ ተሪፉ ዝነበረ ውላድካ ነብሱ ኪኢሉ ካብ ቤት ክግዕዝ እንከሎ ዝፍጠር ስምዒት፡ ወይ ውን ኣብ ውሱን ዕድመ ዝበሃግካዮ ነገር ዘይምርካብካ ዝስመዓካ ስምዒታት ዝመስል ይፈጥረልካ። ኣውንታዊ ለውጢ፡ ከም ምምርዓው ወይ ውን ቆልዓ ምውላድ ውን ቅልውላው ክፈጥረልካ ይኽእል እዩ።

ኣብ ቅልውላው ዘርእዮ ግብረ-መልሲ ብኸመይ ንህይወተይ ይጸልዎ?

ዝተፈላለዩ ሰባት፡ ከከም ደረጃ ተኣፋፍነቶምን ሕሉፍ ተመኲሮኦምን፡ ኣብ እዋን ቅልውላው ዝተፈላለየ ግብረ-መልሲ ከርእዩ ይኽእሉ። ምሽቓል፡ ዘይምቕሳን፡ ድኻምን ክትድቅስ ዘይምኽኣልን ልሙዳት ተኸተልቲ ሳዕቤናት እዮም። ድምብርብር ክብለካ፡ በይነት፡ ባዶነትን ምንጻልን ክሰመዓካ ውን ይኽእል እዩ። ቅልውላው ንቡር ኮይኑ፡ ሓደ ዓይነት ገጽ ውን ዘለዎ ጸገም ኣይኮነን።

ኣብ እዋን ቅልውላው እቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር፡ ኩሉ ኣብ ልብኻ ጌርካ ስቕ ዘይኮነ ምስትንፋስ እዩ። ብዛዕባ`ቲ ዘጋጠመ ምስ ካልኦት ሰባት ምዝራብ፡ ነቲ ሽግር ንምፍዃስ ሓጋዚ እዩ። ብዙሓት ሰባት ብድጋፍ ናይ ቤተ-ሰቦም ካብ ቅልውላው ክወጹ ይረኣዩ እኳ እንተኾኑ፡ ሳሕቲ ግን እዚ ቅልውላው ናብ ከቢድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማማት ከም ሕማም ምምዝባል-ርዕመት (anpassningsstörning) ከምኡ ውን ሕሉፍ ሕማቕ ተመኲሮ ዘስዓቦ ኣእምሮኣዊ ሕምፍሽፍሽ (posttraumatiskt stressyndrom (PTSD) ይምዕብል።

ክሓዊ ይኽእል’ዶ?

ሕማም ምምዝባል-ርዕመት፡ ንበይኑ ባህሩ ክንጸር ይኽእል እዩ። ጭንቀት፡ ሻቕሎትን ቃዝኖትን ቀድኒ መለለይታት ናይዚ ሕማም እዮም። ግዳይይ ናይዚ ሕማም ዝኾነ ሰብ ጠባያዊ ምቕይያር ከርኢን ብፍላይ ከኣ ኣብ ነኣሽቱ ነብስኻ ናይ ምጥፋእ ሓሳባት ከፈልፍል ይኽእል እዩ።

ሕማም ምምዝባል-ርዕመት ምቁጽጻሩ ከብዲ ኣይኮነን። እቲ ፍወሳ ከሎ ገና ምስዝጅመር ከኣ፡ ናብ ካልእ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም ከይማዕበለ እንከሎ ምግትኡ ይከኣል እዩ። እቲ ጸገም ግን፡ ተራ ግብረ-መልሲ ናይ ቅልውላውን ካብ ናይ ምምዝባል-ርዕመት ግብረ-መስሊ ክትፈልዮ ኣጸጋሚ ምዃኑ እዩ። እዚ ኸኣ ንብዙሓት ሰባት ኣብ ምምጽራይ ናይቲ ሕማም ከይበጽሑ ክተርፉ ይገብሮም።

ፍልይ ዝበለ ሓገዝ ምስ ዘድልየኩም ወይ ውን ድሕሪ ቅልውላው ኣብ ከቢድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም ውዲቕና ኣለና ኢልኩም ምስ እትጥርጥሩ፡ ምስ ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ማእከል ጥዕና ተራኸቡ። ንመንእሰያት፡ ክውከስዎ ዝኽእሉ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ ቤት-ትምህርቲ ወይ ውን ማእከል ጥዕናዊ ክንክን መንእሰያት ኣለዎም እዩ። ኣሻቓሊ ዝኾነ ምልክታት፡ ንኣብነት ንነብሰ-ቕትለት ዝደፋፍእ ስምዒታት ምስ እትርእዩ፡ ናብ ክፉት ማእከል ሳይካትሪ ወይ ውን ማእከል ሳይካትሪ ህጻናትን መንእሰያትን ከተምርሑ ትኽእሉ።

ፍወሳ

ቅልውላው ዘስዕቦም ጸገማት፡ ብቅልውላዋዊ ምትእትታው ወይ ውን ብመንገዲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳ (ሳይኮተራፒ) እዮም ዝእለዩ። ብሉጽ ቅልውላዋዊ ምትእትታው፡ ንግዳይ ቀልጥፍካ ምእላይ፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ርድኢት ንምዕባይ ማሕበራዊ ርኽክባት ምንጥጣፍ፡ ነቲ ጸገም ምንጻርን ምፍታሕን፡ ነቲ ግዳይ ውን ምሕጋዝን ምትብባዕን ዝሓቆፈ እዩ። እቲ ግዳይ ናይ ምድቃስ ጸገም ምስዝህልዎ፡ መድሃኒታት ጌርካ ንሓጺር ግዜ ምፍዋሱ ውን ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ።