Ge en gåva

ሕማም ኦዲሆደ

ብዙሓት ሰባት ከቕልቡን ከተኩርሩን የጸግሞም። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ውን ብስእነት ዓቅሊ ክርበሹ ትርእዮም። እቲ ብጒድለት ኣትኲሮን ሕሉፍ-ንጡፍነትን ዝፍለጥ ሕማም ኦዲሆዲ (adhd) ምስ ዝህልወኩም ከኣ፡ እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሸ ጸገማት ንመዓልታዊ መነባብሮኹም ዚጸሉ መለለዪ ናይዚ ሕማም እዩ። ብሰንኪ`ዚ ኸኣ ንኣብነት፡ ስራሕኩም ወይ ውን ትምህርቲኹም ከምቲ ዝድለ ካብ ምስላጥ ክዕንቅፈኩም ይኽእል እዩ።

ሕማም ኦዲሆደ (adhd) እንታይ እዩ?

ሕማም ኦዲሆደ መትኒታት ዝማእከሉ ሳይካትሪያዊ ስንክልና ኢና። እቲ ከም መጸውዒ ናይዚ ሕማም ዝገልግል adhd ዝብል ኣሕጽሮተ-ቓል ዝርዝሩ፡ ጉድለት ኣትኲሮን ምምዝባል ሕሉፍ ንጡፍነትን እዩ። ኮይኑ ግን ኩሎም በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ሰባት ብተርእዮ ሕሉፍ-ንጡፍነት ኣይጥቕዑን እይዮም።

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኦዲሆደ

ኦዲሆደ ኣተዂሮኻ ናይ ምቊጽጻር ጸገም እዩ። ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኦዲሆደ ኣለዉ። ናይ ምትኳርን ድፍኢታዊ ስምዒታት ናይ ምቊጽጻርን ጸገም ምዝህልወኩም ከምኡ ውን ንጡፋት ምስ እትኾኑ ሓደ ካብ ዓይነታት ኦዲሆደ ኣለኩም ማለት እዩ። ድሪኺታዊ ስምዒታት ናይ ምቁጽጻር ጸገም ዘይብልኩም ናይ ኣተኲሮ ጸገም ግን ምስዝህልወኩም ኣድ ዝተሰምየ ዓይነት ኦዲሆደ ኣለኩም ማለት እዩ። እቲ ሳልሳይ ዓይነት ከኣ፡ ኣዚኹም ንጡፋትን ድሩኻት ዝገብር ዓይነት ናይቲ ሕማም እዩ። እዚ ሳልሳይ ዓይነት ብብዝሒ ኣብ ነኣሽቱ ህጻናት ዝርአ ኮይኑ፡ ምስ ግዜ ክጠፍእ ወይ ውን ናብ ድብልቕልቕ ዝበለ ዓይነት ሕማም ኦዲሆደ ክቕየር ይኽእል።

ሳዕቤናት ናይዚ ሕማም?

ከም ኣብነት፡ ስዓትኩም ናይ ምኽባርን ንብረትኩም ውን ናይ ምቊጽጻርን ጸገም ክህልወኩም ይኽእል እዩ ንበል። ኩሉ ነገራት ሓደ ጌርኩም ስለእትርእይዎን እትሰምዕዎን፡ ጦብላሕታታት ፋላሊኻ ንምርኣይ ትጽገሙ። ነዊሕን ሕልኽልኽ ዝበለን መምርሒታትን ምስ ሓድሽ ነገራት ምልላይን፡ ነዓኹም ይትረፍ ነቶም ብሕማም ኦዲሆደ ዘይተጠቕዑ ሰባት ውን ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ዝጀመርኩሞ ነገር ምውዳእ ውን ካብዚ ዝፍለ ነገር ኣይኮነን። ካብ ሰብ ንላዕሊ ርቡጻት ትኾኑ። መብዛሕትኦም ግዳያት ሕማም ኦዲሆደ፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ኣስተምህሮታትን ኣኼባታትን ኮፍ ኢሎም ከለዉ ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ነገር ብርምሳዕ፡ ብዛዕባ ምስቲ ዛዕባ ምትእስሳር ዘይብሉ ነገራት ናይ ቀትሪ ሕልሚ ይሓልሙ።

ሕማም ኦዲሆደ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ

ሕማም ኦዲሆደ መን ኢኹም ኣብ ዝብል ነገር ምርኩስ ጌሩ፡ ኣባኹም ብዝተፈላለየ መልክዕ ክንጸባረቕ ይኽእል። ከም ሰብ ከመይ ኢኹም ኣቀራርባኹም`ከ ከመይ እዩ ዝብል፡ ብሰብኣዊ-መንነትኩም፡ ባህሪኹም፡ ጠባይኩም፡ ክብሪታትን ዝምባሌታትኩምን ይጽሎ እዩ። ወላ’ቲ ኣብ መብዛሕትኦም በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ሰባት ዝርአ ስእነት-ቅሳነት ወይ ምዕልባጥ ደረጅኡ ካብ ሓደ ናብቲ ኻልእ ይፈላለ እዩ። ገሊኦም ጸጥ ኢሎም ኮፍ ክብሉ ከጸግሞም እንከሎ፡ ገሊኦም ከኣ ውሽጣዊ ቅሳነት ይስእኑ። ቅጥዒታት ሕብረተ-ሰብ ኣወዳት/ኣሰብኡት ከምኡ ውን ኣዋልድ/ደቂ-ኣንስትዮ እንዳበለ ዝተፈላለየ ቅርጺታት ክህልዎ ስለዝኽእል፡ ሕማም ኦዲሆደ ውን ኣብዚ ተመርኲሱ ዝተፈላለየ ገጻት ክህልዎ ይኽእል እዩ።

ኦዲሆደ ናብ መግዳዕቲ ዕዮኣዊ-ዓቕሚ ኣካላት ክምዕብል ይኽእል እዩ

ከብ ሰብ ዓቢ ትጽቢት ዝነብረልኩም ምስ ዝኸውን፡ ሕማም ኦዲሆደ ነዚ ትጽቢታት ክህንኩል ዝኽእል ዓቢ ዕንቅፋት ክኾነኩም ይኽእል እዩ። ልጓም ኣካይዳኹምን ባህሪኹምን ክትመርሕዎ ወይ ውን ክትቆጻጸርዎ ምስዘይትኽእሉ፡ ሰብ ብጌጋ ክርደኣኩምን ኣብ መውዳእታ ውን ንስኹም ክትበሳጨዉ ትኽእሉ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ምስቶም ኣብ ከባቢኹም ዝርከቡ ሰባት ኣብ ግጭት ክትኣትዉ ትኽእሉ። ኣብያተ-ትምህርቲ ይኹና ወይ ውን መካን-ስራሕ ምስ ጸገማትኩም ዝሳነ ባይታ ስለዝየጣጥሓልኩም እቲ ሕማም ናብ ኣካላዊ ዕዮኣዊ-መግዳዕቲ ክምዕብል ይኽእል። ሕማቕ ኣቀባብላ፡ ወትሩ ኣብ ዘይምፍላጥ ዝተሰረተ ምዃኑ ክትፈልጡ ኣገዳሲ እዩ።

ምንጪ ኦዲሆደ እንታይ እዩ?

ኦዲሆደ፡ ኣብ ስርዓተ-መትኒ ሓንጐልና ዝቕልቀል ምሳና ዝውለድ ተርእዮ ኮይኑ፡ ከም ሰባት ንዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብኸመይ ነግጥሞም ውን ዝዝውረና ስምዒታዊ ተኣፋፍነት እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ግዜ፡ እዚ ሕማም ብትውልዲ ዝውረስ ኮይኑ፡ ካብ ወለዶ ወጻኢ ውን ግዳይ ናይዚ ሕማም ክገብሩ ዝኽእሉ ነገራት ኣለዉ እዮም። ንኣብነት፡ ቅድሚ እዋኖም ኣቐዲሞም ዝውለዱ ህጻናት። ምልክታት ናይዚ ሕማም ከሎ ገና ብንእሽቶኻ ይረኣዩ እዮም። መብዛሕትኦም ከኣ እንዳዓበዩ ምስ ከዱ፡ ካብቲ ሕማም ይላቐቑ እዮም።

ንኽፍወስ ኣበይ ክኸይድ ኣለኒ?

ብሕማም ኦዲሆደ ተጠቒዐ ኣለኹ ኢልኩም ምስ እትጥርጥሩ፡ ናብ ማእከል-ጥዕና ከባቢኹም ወይ ውን ናብ መቐብሊ ማእከል ሲካትሪያዊ ክንክን ከተምርሑ ኣለኩም። እቲ ዝተሰመዓኩም ነገር ብልክዕ ሕማም ኦዲሆደ ድዩ ወይሲ ካልእ ነገር ከምዝረጋገጽ ይግበር። ከምቲ ልሙድ ኣሰራርሓ፡ ኣብታ ቐዳመይቲ ርክብ ምስ ሓኪም ወይ ውን ስነ-ኣእምሮኛ ተራኸብኩም ቦኽሪ ገምጋም ጥዕናዊ ኩነታትኩም የካይድ። ብድሕሪ`ዚ ዕሙቕ ዝበለ ምርመራ ይካየደልኩም። በቲ ሕማም ተጠቒዕኩም ምህላውኩም ወይ ውን ዘይምህላውኩም ከኣ፡ ኣብዚ ምርመራ’ዩ ዝንጸር።

እንታይ ዓይነት ሓገዝ ይልገሰለይ?

ኣብ ቤት-ትምህርቲ፡ ኣብ ስራሕን ኣብ መዓልታዊ ህይወትኩምን ዝሕግዘኩም ወይ ውን ንጸገማት ናይቲ ሕማም ዘቓልል መሳለጥያታት ይወሃበኩም። ንድርኺት ሕማም ኦዲሆደ ዝንኪ መድሃኒታት ውን ኣሎ እዩ። ኦዲሆደ ምስ ዝህልወኩም መዓልታዊ ህይወትኩም ኣዝዩ ንጹርን ስሩዕን ክኸውን ኣለዎ። ከምዚ ዓይነት መዓልታዊ ህይወት ንኽህልወኩም ከኣ፡ ሓገዝ ትረኽቡ። ካብ ጸቕጥን ተጽዕኖን ንምርሓቕ፡ ጠለባትኩም፡ ትጽቢታኩም ከምኡ ውን እትዝምብዩሉ ማህበራዊ ኣከባቢ ክመቻቻእ ኣለዎ።