Ge en gåva

ዝርገት-ኣመጋግባ

መግብን ክብደትን ኣካላትኩም ብዝምልከት ብዙሕ ትሓስቡ እንተኾይኑኩም፡ ንውልቃዊ ስምዒትኩም ከኣ፡ ኣቃውማ ኣካልትኩም ዘለኩም ዕጋበት ዝበሓቶ ምስ ዝኸውን፡ ዝርገት ኣመጋግባ ዝተሰምየ ጸገም ኣለኩም ማለት እዩ። ዝርገት-ኣመጋግባ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ነኣሽቱ ደቂ-ኣንስትዮም ዝርአ ጸገም እኳ እንተኾነ፡ ዕድሜኹም፡ ኣቃውማ ኣካላትኩም ወይ ውን ጾታኹም ብዘየገድስ ግን ግዳይ ናይዚ ጸገም ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም። ኩሎም ዓይነታት ዝርገት-ኣመጋግባ ኣብ ልዕሊ ኣካላትና ሃስያ የውርዱ ኣብ ልዕሊ ምዃኖም፡ ንውልቃዊ ስምዒትናን ስነ-ኣእምሮኣዊ ኩነትናን ውን ሃሰይቲ እዮም።

ጸገም ዝርገት-ኣመጋግባ ከምዘለኒ ብኸመይ ክፈልጥ ይኽእል?

ጸገም ዝርገት-ኣመጋግባ ዘለዎ ሰብ ኣብ ልዕሊ ነብሱ ወጋዝን ጨካንን እዩ ዝኸውን። እዚ ጸገም ዘለዎ ሰብ፡ ብዛዕባ ትርኢቱ ወይ ውን ኣገባብ ኣበላልዕኡ ይስከፍ ወይ ይሓፍር። ብዜካ`ዚ እቲ ግዳይ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ብሓባር ካብ ምብላዕ ይቚጠብ፡ ሰዓታት መግቢ ይነጥርን ብዘይዕረፍቲ ውን ብዛዕባ መግቢ፡ ክብደትን ትርኢትን ጥራይ ይሓስብ። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ግዜ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ምሕሳብ ኣሸጋርን ዘይተኣደነ ሓይሊ ውን የባኽነልካ። ብሰንኪ`ዚ ኸኣ እቲ ሰብ ግዳይ ሻቕሎትን በይንነትን ይኸውን።

ሕመረት ህይወትካ ኣብ ምግቢ፡ ወቐሳን ቁጽጽርን ጥራይ ዝብሉ ነገራት ዝተሓጽረ ይኸውን። ንሓደ ነገር ብፍሉይ መንገዲ ክትገብርዎ ትደልዩ፡ ከምኡ ምስ ዘይትገብር ሻቕሎት ይብሕተካ። ናይ ምድሃብን ምድቃስን ጸገማት ክህልወካ ኸኣ ልሙድ ነገር እዩ። ምስ ግዜ ኸኣ ግዳይ ምቕዛንን ምጭናቕን ክትከውን ትኽእል።

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዝርገት-ኣመጋግባ

እቶም ሰለስተ ልሙዳት ዓይነታት ዝርገት-መግቢ፡ ሃርጋፍ-ኣበላልዓ (Hetsätning)፡ ሃርጋፍ ኣበላልዓ መግቢ ንምሕቃቕ ዝዕእለመ ልምምድን ኮነ ኢልካ ምምላስን ዝተሓወሶ (bulimi)፡ ከምኡ ውን ኮነ ኢልካ ዝግበር ግትኣተ-ሽወሃት (anorexi)እዮም።

ኮነ ኢልካ ዝግበር ግትኣተ-ሸውሃት ምስ ምንካይ ክብደት ዝተተሓሕዘ እዩ። ነዚ ክዉን ንምግባር ከኣ፡ እቲ ሰብ ዝወስዶ መጠን መግቢ ብምንካይ ኣካላቱ ድርቀት ዝሓዞ ናብ ዝመስል ኩነት ይጽጋዕ።

ሃርጋፍ-ኣበላልዓ ክንብል እንከለና፡ ከም ልምዲ እትጸልኦ መግቢ ብብዝሒ ትበልዕ። እቲ ሃርገፍገፍ ንሓጺር ግዜ እዩ ዝጸንሕ። እቲ ግዳይ ከምዚ ድሕሪ ምግባሩ፡ ኣብ ጣዕሳን ናይ ወቐሳን ስምዒት ይጥሕል።

ብሉሚ (Bulimi) ንሃርጋፍ-ኣበላልዓ ዝመሳሰል ኮይኑ፡ እቲ ፍፍልዩ ግን ነቲ ዝበላዕካዮ ካብ ከብድኻ ከተገላግሎ ትደሊ። ነዚ ንምግባር ከኣ ከምዚ ጸገም ዘለዎም ሰባት ነቲ ዝበልዕዎ ኢዶም ጌሮም ከምልስዎ፡ መለስለሲ-ቐልቀል ጌሮም ብቐልቀል ክወጽእዎ ወይ ውን ጽዑቕ ኣካላዊ ምንቕስቓስ ብምግባር ነቲ መግቢ ከሕቕቕዎ ይፍትኑ።

ገለ-ገለ ሰባት ፍልይ ዝበለ ባህርያት ዘለዎ ዝርገት-መግቢ ክህልዎም ይኽእል እዩ። ንኣብነት እቲ ሰብ፡ ኮነ ኢልካ ዝግበር ግትኣተ-ሽወሃት ዘለዎ ኮይኑ፡ ክብደቱ ግን ከም ዘለዎ ይኸውን። ካብ ሓደ ዓይነት ናብቲ ካልእ ዓይነት ጸገም ዝርገት-ኣመጋግባ ምስግጋር ውን የጋጥም እዩ።

መዓስ እየ ሕክምናዊ ሓገዝ ክሓትት ዘለኒ?

ናይ ዝርገተ-መግቢ ጸገም ኣለኒ ኢልኩም ምስ እትጥርጥሩ፡ ውዓል-ሕደር ዘይብሉ ሕክምናዊ ሓገዝ ሕተቱ። ከሎ ገና እቲ ጸገም ከይበኣሰ ሓገዝ ምስ እትሓቱ ዝበለጸ እዩ። ንጸገም ዝርገት-ኣመጋግባ ዘወግድ ፍወሳ ኣሎ እዩ።

ምስ ልዑል ጠለባት ዝተተሓሓዘ እዩ

ጸገም ዝርገት-ኣመጋግባ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክፍጠር ይኽእል እዩ። እቲ መበገሲ፡ ሓደ ሰብ ንከም ጓሂ፡ ቁጥዐን ሰብኣዊ ዝምድናታትን ዝኣመሰሉ ስምዒታት ናይ ምእላይ ዓቕሙ ክፈጥሮ ምስ ዝኽእል ጸገማት ዝተተሓሓዘ ክኸውን ይኽእል። ግብረ-መልሲ ናይቲ ንመግቢ፡ ቁጽጽርን ትርኢትን ዝምለክት ኣብቲ ሕብረተ-ሰብ ሰፊኑ ዝርከብ ኣረኣእያ ውን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ጽቡቕ ትርኢትን ንጹህ ህወትን ክህልወኒ ኣለዎ ዝብል ጠለባት፡ ምስ ዋሕዚ ክንዕድጎም ዝኽእል ነገራት ተወሲኹ፡ ዓቕሚ ምስኣን ክፈጥሮ ዝኽእል ድልየትካ ዘይምርካብ ጸገማት ምስ ተሰለሶ፡ ከምቲ እንደልዮ ክንነብር ዘይንኽእል ይገብረና። ድልየት ምድራት ክዉን ይኸውን እሞ፡ እቲ ሰብ ከኣ ኣበላልዕኡ ወይ ኣወሳስዳ መግቢ ክቆጻጸሮ ይፍትን። ምስ ግዜ ኸኣ፡ እቲ መሪጽካ ናይ ምብላዕ ድልየት ይገዝኣካ።

ክትረኽብዎ እትኽእሉ ሓገዝ ኣሎ እዩ

ግቡእ ፍወሳ ብምርካብ ካብ ጸገም ዝርገት-ኣመጋግባ ምልቓቕ ይከኣል እዩ። ነዚ ጸገም ንምውፋስ ዝዓለሙ ዝቡሓት ኣገባባት ፍወሳ ኣለዉ። ንኣብነት፡ ዝርርባዊ-ፍወሳ ከምኡ ውን መድሃኒታዊ ፍወሳ። ኣብ ገለ ገለ እዋናት እቲ ፍወሳ ካብ ቴራፕን መድሃኒት ኣዐጋሲ ጭንቀት ዝቆመ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣበይ ከይደ እየ ሓገዝ ክረክብ ዝኽእል?

ጸገም ዝርገተ-ኣመጋግባ ኣለኒ ኢልኩም ምስ እትጥርጥሩ፡ ናብ ማእከል-ጥዕና ኬድኩም ሓገዝ ሕተቱ። ነዚ föreningen Frisk och Fri ዝተሰምየ ማሕበር ውን ምውካስ ይከኣል እዩ። በይንኹም ሕክምና ምኽእድ ምስ ዝኸብደኩም፡ ዘሰንየኩም ሰብ ሒዝኩም ክትከዱ ፈትኑ። ብሰንኪ`ዚ ጸገም፡ ህይወትኩም ከተሕልፉ ዝደፋፋእ ሓሳባት ምስ ዝወረኩም፡ ወዓል-ሕደር ዘይብሉ ናብ ህጹጽ ማእከል ሲካትሪያዊ ክንክን ኣምርሑ። ናብ 112 ውን ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም።

በይንኹም ኣይኮንኩምን ግዳያት ናይዚ ጸገም

ብጸገም ዝርገተ-ኣመጋግባ ክሳቐዩ ድሕሪ ምጽናሕ ካብኡ ተላቒቖም ናብ ንቡር ኩነት-ጥዕንኦም ዝትመልሱ ብዙሓት ኣለዉ። ጽቡቕ ይስመዓኒ የለን ኢልካ ሕክምናዊ ሓገዝ ምሕታት ምልክት ፍሽለት ወይ ውን ድኻም ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ እዩ። እንታይ ደኣ፡ ንነብስኹም ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ንኽትህሉ ዕድል ትህብዋ ኣለኹም ማለት እዩ።