Ge en gåva

ማሕበራዊ ሻቕሎት

ብጸገም ማሕበራዊ ሻቅሎት ዝተጠቕዐ ሰብ፡ ኣብ ግምትን ኣቓልቦን ሰባት ከይኣቱ ካብ ዝብል፡ ካብ ኩሉ ማሕበራዊ ተረኽቦታት ክርሕቕ ይመርጽ። ኣብ ቅድሚ ሰባት ጽቡቅ ኮይንካ ምቕራብን ከይትዋረድ ምጥንቃቕን ዝብሉ ነገራት ከተሓሳስበኻ ምስ ዝጅምር ኸኣ፡ ካብ ማሕበራዊ እኩባት ክትርሕቕ ትመርጽ። ጸገም ማሕበራዊ ሻቕሎት ክፍወስ ይኽእል እዩ።

ማሕበራዊ ሻቕሎት ቀደም ማሕበራዊ-ፎብያ ተባሂሉ ይጽዋዕ ኔሩ። ከምኡ ዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ፡ ንሓደ ነገር ዘለካ ፍርሒ ንፎብያ (ሕሉፍ ፍርሒ) ዝመሳሰል ብምዃኑ እዩ። ነቲ እትፈርሖ ነገር ብፍጹም ኣብ ጥቕኡ ተንከስ ኢልካ ክትቀርብ ኣይትደልን። ልክዕ ከምቲ ንኻልኦት ሕሉፍ ፍርሒ ዝፈጥሩልና ነገራት ክንለማመዶም እንኽእል፡ ነዚ ውን ከምኡ ጌርና ከነጥፍኦ ንኽእል ኢና። እቲ ልምምድ ግን ኣብ ርጉእ ሃዋህው ቀስ ብቐስ እዩ ክግበር ዘለዎ። ማሕበራዊ ሻቕሎት ክበሃል እንከሎ፡ ኣብ ማሕበራዊ ተረኽቦታት ምጽንባር ግዳይ ውርደትን ገልታዕታዕን ክኸውን እየ ኢልካ ምሕሳብ ዝፈጥሮ ሻቕሎት እዩ።

ማሕበራዊ ሻቕሎት ምስ ዝህልወካ እንታይ ይስመዓካ?

“ነብሰይ ውርደት ከሰክማ እየ“፡ “ኩሉ ሰብ ክጥምተኒ እዩ“ ወይ ውን ኩሉ ሰብ ከም ዕቡድ ክቆጽረኒ እዩ ዝብል ሓሳባት ንኣእምሮኻ ክወሮ ይኽእል እዩ።

እዚ ሻቕሎት`ዚ፡ ኣብ ገለ እዋናት፡ ከም ቀጥቀጥ፡ ናህሪ ትርግታ ልቢ፡ ምንቃጽ ወይ ውን ምቕያሕ ኣፍ ዝኣመሰለ ግብረ መልሲ ይህብ። ውነኻ ስሒትካ፡ ኣካልካ ካብ ቁጽጽርካ ወጻኢ ከም ዝኸደ ጌርካ ምውሳድ ውን ክስመዓካ ይኽእል እዩ።

እቶም ኣካላዊ ግብረ-መልሲ ኸኣ ስርዓተ-መትኒና ዘፍርሕ ኩነታት ምስ ገጠመና ዝፈጥሮ መልሰ-ንጥፈት እዩ። እቲ ዝሓድረኩም ድፍኢት ከኣ ካብቲ ቦታ ቀልጢፍካ ርሓቕ ዝብል እዩ።

ማሕበራዊ ሻቕሎት ንህይወተይ ብኸመይ ይጽልዎ?

በዚ ጸገም ዝተጠቕዐ ሰብ፡ ንማሕበራዊ ተረኽቦታት ከም መዋረዲ ጌሩ ስለዝወስዶ ኣብ መወዳእታ ካብኡ ምርሓቕ ይመርጽ። እቲ ግዳይ ኣብ ማእከል ጠመተ ሰብ ምዂዳቕ፡ ከም ሓደ ዘይጽወር ነገር ጌሩ ይውስዶ።

ካብ ማሕበራዊ ተረኽቦታት ምርሓቕ ከኣ ተነጽሎ ይወልድ። ካብቲ ኣጸጋሚ ኮይኑ ትረኽቦ ነገራት ምርሓቕ ንግዚኡ ከም ፍታሕ ይመስል እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ግን እቲ ሻቕሎት ግን እንዳበኣሰ ይኸይድ። እቲ ሻቕሎት ኣብ ውሽጥኻ ዓቢ ቦታ እንዳሓዘ ክኸይድ እንከሎ ኸኣ፡ ነቲ ምርጫኻ ዝኾነ ክትነብሮ እትደሊ ህይወትካ ከንብረካ ዝኽእል ቦታ እንዳጸበበ ይኸይድ።

መዓስ እየ ሓገዝ ክሓትት ዝግበኣኒ?

ጽልኣት ማሕበራዊ ተረኽቦታት ንመዓልታዊ ህይወትኩም ዝዕንቅፍን ዝድርትን ምስ ዝኸውን፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ምሕታት ከድልየኩም እዩ። መዓልታዊ ህይወትኩም ከቃለልኩም ብምባል፡ ኣልኮላዊ-መስተ ወይ ውን ኣህዳኢ-መድሃኒታት ጌርኩም ባዕልኹም ነቲ ጸገም ክትፍውስዎ ትፍትኑ ምስ እትኾኑ ውን፡ ሓገዝ ካብ ምሕታት ድሕር ኣይትበሉ።

ሓገዝ ኣበይ ክረክብ ይኽእል?

ንጸገም ማሕበራዊ ሻቕሎት ዝፍውስ መድሃኒት ኣሎ እዩ። ምስ ሰብ ብዛዕባቲ ጸገም ምዝራብ ውን፡ ጸገምኩም ንምርዳእን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት እተርእይዎ ባህርያትን ንምርዳእ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ። ብእኩብ መልክዕ ፍወሳ ወይ ተራፒ ይግበረልኩም እዩ። ኣብ ውሱን እዋናት ውን መድሃኒት ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም።

ኩሎም ሰባት ሓደ ኣይኮኑን። ስለኾነ ከኣ፡ እቲ ንሓደ ሰብ ውጻኢታዊ ኮይኑ እንረኽቦ ኣገባብ ፍወሳ ነታ ካልእ ኣብ ምፍዋስ ኣድማዒ ዘይክኸንው ይኽእል እዩ። እቲ ንዓኹም ኣድማዒ ዝኾነ ኣገባብ ፍወሳ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ክትፍትኑ ትኽእሉ። ኣቐዲምኩም ሕክምናዊ ሓገዝ ሓቲትኩም በቲ ዝተገብረልኩ ናይ ፍወሳ ኣገልግሎት ዘይዕእገብኩም ምስ እትኾኑ ውን ዳግማይ ሓገዝ ካብ ምሕታት ድሕሪ ኣይትበሉ። መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ኣብ ምሕዋይ ኣገዳሲ ዝኾነ ረቋሒ ኣገባብ ፍወሳ ዘይኮነ ሕሙማት ኣብ ልዕሊ ፈወስቶም ዘሕድርዎ እምነት እዩ።