Ge en gåva

መለለዪ-ሕማም ዝሩግ ስምዒታዊ ሰብኣዊ መንነት

ዝሩግ ስምዒታዊ ሰብኣዊ መንነት ወይ (EIPS) ወይ ውን ሕንጻጸ-ዶብ (Borderline) ተባሂሉ ውን ከምዝፍለጥ፡ ነቶም ስምዒቶም ዝሩግ፡ ብጫቕሎት ዝሓበጡን ነነብሶም ናይ ምጉዳእ ዝምባሌ ዘለዎምን ሰባት ዘርእይዎ ምልክታት ዘነጸር መለለዪ-ሕማም እዩ። መለለዪታት ናይዚ ሕማም ዘለዎ ሰብ፡ ኣብ ብብርቱዕ ሕማም ኣእምሮ ዝለለ ኩነት ብምእታው ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ነገር፡ ነብሱን ካልኦትን ውን ከይተረፈ እምነት የጥፍእ። ስሚዕታዊ ኩነት ናይ ከምዚኦም ሰባት ኣብ ሓጺ እዋን ካብ ተስፋ ምቊራጽ ናብ ደስታ ክሰጋገር ትርእዮ።

ኣብ ከምዚ ዓይነት ኲነት ዝወደቐ ሰብ ከኣ፡ ሕማቕ ክስምዖን፡ ውርደት ዝተሰከመ ኮይኑ ክረኣዮን ልሙድ ይኸውን። ነዓኹም ጥራይ ዘጋጠመኩም ጸገም ግን ኣይኮነን። ነዚ ሕማም ንምሕዋይ ዝዓለመ ፍሉይ ፍወሳታት ኣሎ እዩ። ካብዚ ኩነታት ወጺእኩም ጽቡቕ ምእንቲ ክስመዓኩም ውን ባዕልኹም ክትገብርዎ ትኽእሉ ብዙሕ ነገራት ኣሎ።

ግዳይ ናይዚ ሕማም ምስ እትኾኑ፡ ምስ ምንጻል፡ ሻቕሎትን ቁጥዐን ዝተኣሳሰሩ ስምዒታት ክትቆጻጸሩ የጸግመኩም። ነብስኹም ከኣ ብዝተፈላለየ መንገዲታት ኣካላውን ሰነ-ኣእምሮኣውን ሃስያ ከተውርዱላ ልሙድ እዩ። ኣብ ገለ እዋናት ደሓን ዝኾነ ነብሰ-ምትእምማን ክህልወኩም ይኽእል እዩ። ኣብ ዝቕጽል እዋናት ከኣ፡ ኣብ ዓሚቊ ነብሰ-ጽልኣት ትጥሕሉ። መብዛትኦም ግዳያት ናይዚ ሕማም ናይ ባዶነት ስምዒትን ናይ መንነት ጸገምን ከም ዘንጸላልዎም ይገልጹ።

ግዳያት ናይዚ ሕማም እንተኾይንኩም፡ ኣብ መቕርብኩም እምነትን ውሕስነትን ተጥፍኡ። ኣብ ገለ እዋን ንመቕርብኩም ከተድንቕዎም እንከለኹም፡ ከይጸናሕኩም ከኣ ኣትሒትኩም ክትርእይዎም ትረኣዩ። ብኸምዚ እቲ ሕማም ምዝ ግዜ እቲ ዝምድናታት ነዊሕ ዕምሪ ከይህልዎ ይገብር።

ነቲ ሕማም ብኣልኮላዊ መስተ ድሮጋን ጌርካ ’’ባዕልኻ ክትፍውሶ’’ ምፍታን ልሙድ ነገር እዩ። ዘይስሩዕ ኣበላልዓ መግቢ ምምዕባል ወይ ውን ነብስኻ ምጒዳእ ውን ልሙድ እዩ።

በዚ ሕማም ምጥቅዐይ ብኸመይ ይፈልጥ?

ብመሰረት ናይቲ ቅጥዒታት ብውሑዱ 5 ካብዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ምልክታት-ሕማም ክህልወኩም ኣለዎ።

  • ዓሚቊ ናይ ምንጻል ፍርሂ።
  • ተመላላሲ ስምዒት ባዶነት።
  • ስግንጢር ወይ ውን ዝሩግ ናይ ነብስኻ ስእሊ ምህላው።
  • ግልብጥ ግልብጥ ዝብል ስምዒታዊ ጠባይ: ተሪር ቁጥዐ፡ ንሒደት ሰዓታት ግን እንተነውሐ ሒደት መዓልታት ዝጸንሕ ሻቕሎት ወይ ቁዛሜ።
  • ሕንፍሽፍሽ ዝበለ ዝምድናታት። ኣብ ምድናቕ ጸኒሕካ ናብ ምንሻው ዝመለለዩኡ።
  • ጽዑቕ፡ መትሓዚ ዘይብሉ ብንእሽቶይ ነገር ዝለዓል ነድሪ።
  • ንነዊሕ ዘይጸንሕ ጠገለ ዘይብሉ ዝተጋነነ ጥርጣሬታትን ግዝያዊ ንቡር ዘይኮነ ስምዒታትን።
  • ድሮጋ፡ ስጋዊ-ርክብ፡ መግቢ ወይ ውን ገንዘብ ክትጥቀም ዝደፋፍኣካ ፍሉይ ድርኺት።
  • ነብስኻ ትጎድእን ከተሕልፋ ውን ትደሊ። ነብስኻ ከተሕልፍ ትዛረብ ወይ ውን ውጥን ተውጽእ።

ገለ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ስምዒታት ይስመዓንና’ዩ ምስ እትብሉ ውን፡ ግዳያት ናይዚ ሕማም ኮይንኩም ተረጋጊጹ’ዩ ማለት ግን ኣይኮነን። በቲ ሕማም ተጠቒዕኩም ኣይተጠቓዕኩምን ንምፍላጥ ኪኢላዊ ገምጋም ክግበር ኣለዎ። እቲ ዝስመዓኩም ነገር ካልእ ምኽንያታት ዝፈጠርዎ ክኸውን ከምዝኽእል ምሕሳብ ውን ጽቡቕ እዩ።

ምንጪ`ዚ ሕማም እንታይ እዩ?

መብዛሕትኦም ግዳያት ናይዚ ሕማም፡ ሕንፍሽፍሽን ኣደራዕን ዝበዝሖ ኣተዓባባያ ዘሕለፉ እዮም። ገሊኦም ውን ግዳያት ወጽዓ ኮይኖም ዝፈልጡ እዮም። ኣደራዕ ኣልቦ ርጉእ ኣተዓባብያ ዘሕለፉ ሰባት ውን፡ ግዳያት ናይዚ ሕማም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

እንታይ ዓይነት ሕክምናዊ ረድኤት ክግበረለይ ይኽእል?

ግዳይ ናይዚ ሕማም ዝኾነ ሰብ፡ ናይ ውልቂ ወይ ውን ብእኩም ስነ-ኣእምርኣዊ ፍወሳ ይግበረሉ። ነዚ ሕማም ኣብ ምፍዋስ ውጽኢታዊ ዝኾነ ዝተፈላለየ ኣገባባት ፍወሳ ኣሎ። ድያለክቲካዊ ባህሪኣዊ ፍወሳ (Dialektisk beteendeterapi DBT) ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳ (mentaliseringsbaserad terapi- MBT) ከምኡ ውን ስሩዕ ቴራፒ (schematerapi) ገለ ኣብነታት እዮም። መድሃኒት ብምውሳድ ውን ክትፍወሱ ትኽእሉ ኢኹም።

ነቶም ዘለዉ ኣገባብ ፍወሳ ዝምልከት ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ኣለኩም ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ መስርሕ ፍወሳ ውን ክትሳተፉ ትኽእሉ ኢኹም። ብንጥፈት ኣብቲ መስርሕ ፍወሳ ክትሳተፉን ኣብ ልዕሊ ፈዋሲኹም ውን ልዑል እምነት ክህልወኩም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ኣቐዲምኩም ሕክምናዊ ረድኤት ሓቲትኩም ብዝተገብረልኩም ኣገልግሎት ክንክን ዘይዓገብኩም ምስ እትኾኑ፡ መሊስኩም ምስ ሕክምና ተራኸቡ፡ ተስፋ ኣይትቊረጹ። መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ሓደ ኣገባብ ፍወሳ ንኽዕወት ዝሕግዝ ኣገዳሲ ዝኾነ ረቋሒ፡ ዓይነት ፍወሳ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ፈዋሲኻ ዘለካ እምነት እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ኩነታት ይመሓየሽ እዩ

ብዜካቶም መለለዪታት ናይዚ ሕማም፡ መለለዪታት ናይ ካልእ ሕማም፡ ከም ኦዲሆደ፡ ቢፖላር፡ ውን ክህልወኩም ይኽእል እዩ። ምስ ግዜ ኩነታት ግዳይ ናይዚ ሕማም እንዳተመሓየሸ ይኸይድ እዩ። ምስዚ ኸኣ ብዛዕባ ነብስኹም ዘለኩም ርድኢት እንዳተመሓየሸ ይኸይድን ነቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ሰባት ውን ጽቡቕ ንኽስመዓኩም እንታይ ክትገብሩ ከምዘለኩም ውን ትሕብርዎም።