Ge en gåva

ሕማም ኣእምሮ (ሳይኮሲስ)

ግዳይ ሕማም ሳይኮሲስ ዝኾነ ሰብ፡ ውሽጣዊ ናይ ህይወት ኣራእይኡን ፋንታዝያን ካብቲ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ክውንነት ክፈልዮ ኣብ ዘጸግም ኩነታት ይሽመም። ሕማም ሳይኮሲስ፡ ግዝያዊ (ተጻየግብርኣዊ ውን ተባሂሉ ዝጽዋዕ) ወይ ውን  ንኻልኦት ሕማማት ኣእምሮ፡ ከም እኒ ሕማም ምምስቓል-ኣእምሮ (ስኪትስፍሪንየ)፡ ዝመሳሰል ተመላላሲ ዝዓይነቱ ሳይኮሲስ ክኸውን ይኽእል። መብዛሕቶኦም በዚ ሕማም ዝጥቅዑ ሰባት፡ ምስ ግዜ ብኸፊል ወይ ውን ምሉእ ብምሉእ ናብ ንቡር ኩነተ-ጥዕና ይምለሱ። ግቡእ ፍወሳ ምውሳድ ከኣ፡ ነቲቲ ሕማም መሊሱ ከይግንፍል ክገትኦ ይኽእል።

ሕማም ኣእምሮ እንታይ እዩ?

እቲ ኣብ እዋን ሕማም ኣእምሮ ነዓኹም ዝስመዓኩም ነገራት፡ ንኻልእ ሰብ ዘይግሁድ ንዓኹም ግን ግሁድ እዩ። ’’እቲ ኣብ ኣእምሮኹም እትቐርጽዎ ግሁድ’’ ብኻልእ ቋንቋ  ዓጀውጀው ወይ  ሃተፍተፍ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ እዚ ማለት ከኣ ንኣብነት፡ ካልእ ሰብ ዘይሰምዖ ድምጺ ትሰምዑን ወይ ውን ካልእ ሰብ ዘይርእዮ ተርእዮታት ምርኣይ ዝኣመሰለ ክኸውን ይኽእል። ብሕማም ኣእምሮ ዝሳቐ ሰብ ንሓሳቡ መጎት ዘየፍቕድ ፍጹም ሓቂ ጌሩ ይወስዶ። ግብረ-መልሲ ናይዚ ሕማም ኣእምሮ ኣብ ሃለዋት፡ ሰብኣዊ-መንነትን ከባቢን ምርኩስ ጌሩ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክፈላለ ይኽእል።

ምቕይያር ባዕላዊ-ስእልን፡ ምርዳእ ክውንነትን ኣብ እዋን ምጥቃዕ ብሕማም ኣእምሮ

ዓጀውጀው ምስ ገዛእ ነብስኻ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ብህማም ሳይኮሲስ ዝተጠቕዐ ሰብ ንነብሱ ከምዝተቐየረ ጌሩ ክወስዳ ልሙድ ነገር እዩ። ግዳይ ናይዚ ሕማም ዝኾነ ሰብ፡ ንኣብነት ንነብሱ፡ ንእከያዊ ተግባር ወይ ውን ካልእ ነገር ዝውክል ኣገዳሲ ታሪኻዊ ሰብ ጌሩ ክወስዳ ይኽእል። ገለ ግዳያት ናይዚ ሕማም ዝኾኑ ቑጡዓትን ምስ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ነገራት ዝፋጠጡ ክኾኑ እንከለዉ ገሊኦም ከኣ ንነብሶም ከም ኣድሓንቲ ወሲዶም ንኹሉ ሰብ ኣብ ዙርይኦም ከዕስሉ ይደልዩ። ብሳልሳይ ደረጃ ዝስርዑ ከኣ፡ እቶም ምስ ነብሶም ጥራይ ተሓጺሮም ካብ ከባቢኦም ዝንጸሉ እዮም። ከምኡ ዝመርጹሉ ምኽንያት ከኣ፡ ንኸባቢኦም ዘሎ ነገራት ከም ትርጉም-ኣልቦ ወይ ውን ደስ ዘይብልን ጌሮም ስለዝወስድዎ እዮም።

ግጭት ምስ ከባቢኻ ኣብ እዋን ምጥቃዕ ብሕማም ኣእምሮ

ከባቢ ኣብ ዘይከውን ነገር ይህውትት ኣሎ፡ ካብ ናተይ ዝተፈልየ ዘሻቕል ጉዳይ ኣለዎ ወይ ውን ነዓኻ ዝረኣዩኻ ጒሉሓት ነገራት ክርኢ ኣይከኣልን ዝብሉ ስምዒታት ንብሕማም ኣእምሮ ዝተጠቕዐ ሰብ፡ ከቢድ ጸገማት ይፈጥሩሉ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ሕማም ኣእምሮ ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዝዝምብዩ ሰባት ኣብ ግርጭት ክትንቆት ይገብረካ።

መበገሲ ሕማም ሳይኮሲስ እንታይ እዩ?

ጠንቂ ሕማም ሳይኮሲስ እንታይ እዩ ንዝብል፡ ብመጽናዕቲ ዝተረጋገጸ ጽጹይ ሓበሬታ የልቦን። ይኹን እምበር፡ ብትውልዲ ምውራስ፡ ኣተዓባብያ ወይ ውን ንፍሉያት ዝኾኑ በሰላ-ዝገድፉ ኩነታት ምስጣሕን ዝኣመሰሉ ረቛሒታት፡ በዚ ሕማም ንኽትጥቃዕ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ መንጎ ዕጸ-ፋርስ ከም ሓሺሽን ማሪዋናን ሕማም ሳይኮሲስን ውን ምትእስሳር ኣሎ እዩ። ሕጽረት ድቃስ፡ ሻቕሎት፡ ሓውሲ-ጽላሌን ጸቕጥን ውን፡ ንሕማም ሳይኮሲስ ከቃልዑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ዝሓዘኩም ሕማም ሳይኮሲስ ተመላላስን ነባርን ምስ ዝኸውን ብሓቂ ሓሚምኩም ምህላውኩም ስለዘመላኽት ሕክምናዊ ፍወሳ ክግበረልኩም ኣለዎ።

ብሕማም ሳይኮሲስ ምስ ዝጥቃዕ እንታይ ዓይነት ሕክምናዊ ረድኤት ክረክብ ይኽእል?

ግቡእ ፍወሳ ቅድሚ ምርካብኩም፡ ሳይካትሪኣዊ ምርመራ ክካየደልኩም ኣለዎ። ከም ደረጃ ሳዕቤናዊ-ጽልዋ ናይቲ ሕማም ከኣ፡ ብመልክዕ መድሓኒታት ቴራፒን ክትፍወሱ ወይ ውን ካልእ ማሕበረ-ኣእምሮኣዊ ድጋፋት ክትረኽቡ ትኽእሉ። ግቡእን ስሩዕን ኣገልግሎት ፍወሳ ምእንቲ ክግበረልኩም፡ ውጥን-ፍወሳ ክሕንጸጸልኩም ኣለዎ።

ዝበዝሑ ሰባት ካብ ሕማም ሳይኮሲስ ተላቒቆም ናብ ንቡር ይምለሱ እዮም

ናብ ንቡር ኩነተ-ጥዕናኹም ምእንቲ ክትምለሱ፡ ካብ ኣብ ከባቢኹም ዝርከቡ ሰባት ሓገዝን ድጋፍን ከድልየኩም ይኽእል እዩ። ኣብቲ ዝነበርኩሞ ኩነታት ዳግማይ ከይትወድቁ ምእንቲ፡ ኣቐዲሙ ኣጋጢሙኩም ዝነበረ ኩነታት ምፍላጥ የድልየኩም። ንነዊሕ ግዜ መድሓኒታት ምጥቃም ከድልየኩም ይኽእል እዩ። እቲ ሕማም ዳግማይ ከይግንፍል ምእንቲ ከሎ ጌና ምልክታት ናይቲ ሕማም ከተለልዩን ምስ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ውን ክትራኸቡን ኣለኩም።