Ge en gåva

ሓፈሻዊ ሻቕሎት

ኣዝዩ ዘሰንብድ ነገር ክገጥመኒ’ዩ እንዳበልካ ትፈርህን ወትሩ ትሻቀልን ምስ እትኸውን፡ ግዳይ ሓፈሻዊ ሻቕሎት (generaliserat ångest) ዝተሰምየ ሕማም ኮይንካ ኣለኻ ማለት እዩ። እዚ ሕማም’ዚ ብኢንግሊዘኛ ብኣሕጽሮተ-ቓል GAD ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዝርዝሩ ኸኣ ምምዝባል ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዝብል እዩ።

ሓፈሻዊ ሻቅሎት ክህልወካ ከመይ ማለት እዩ?

ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዘለዎ ሰብ፡ እቲ ሓደጋ ዘሕብሮ ራዳሩ ወትሩ ተወሊዑ ከም ዘሎ ጌርካ ክውሰድ ይከኣል። ካብቲ ዘሻቕለካ ነገር፡ ብፍጹም ዕረፍቲ ክትረክብ ትኽእል ኣይመስለካን እዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ርግኣት ዝበሃል ውን ብፍጹም ኣይስመዓካን እዩ። ሓደ ዘሻቕል ነገር ኣብ ኣእምሮኹም ከንሳፍፍ ክጅምር እንከሎ፡ ሓጺር መብርሂ ትደልዩሉ። ካብዚ ንስምዒትኩም ዝርብሽ ነገር ተላቒቕኩም ክትርእዩ ትደልዩ እንከለኹም፡ ኣብ ሕጂ (ህሉው) ከተተኲሩ ግን የጸግመኩም።

እቲ ብኸምዚ ሕማም ተጠቕዐ ሰብ፡ ካልእ ስነ-ኣእምሮኣዊ ወይ ውን ኣካላዊ ምልክታት ዘይምጥዓይ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ካብ ኣእምሮ ዘይፍለ ሓሳብ፡ መግቢ ብስሩዕ ዘይምብላዕ፡ ጸቕጢ፡ ቀጻሊ ዘይገድፈካ ናይ ከብዲ፡ ሕቆ ወይ ውን ናይ መንኩብ ቃንዛ፡ ክህልወኩም ይኽእል። ጽርውርው ምባል፡ ጋን ምዃንን ቀልጢፍካ ንብዓት ንንብዓት ምዃንን ውን ልሙድ እዩ።

ሓፈሻዊ ሻቕሎት (GAD) ሓደ ካብ ብዙሓት መለለዪታት ሕማማት ሻቕሎት ኮይኑ፡ ካልኦት ተመሳሰልቲ ገጻቱ ብዝሓወሰ መልክዕ ክሕዘና ይኽእል እዩ። ኣብነታት ናይ ካልኦት ሕማማት ሻቕሎት ከኣ፡ ማሕበራዊ ሻቕሎት (social ångest)፡ ራዕዲ ዝተሓወሶ ሻቅሎትን (paniksyndrom)፡ ወይ ምሒር ፍርሒ ዝተሓውሶ ሻቕሎት (fobier) ክግለጹ ይከኣሉ።

ንህይወተይ ብኸመይ ይጸልዎ?

ክትድቅስ ዘይምኽኣል፡ ንጸቕጢ፡ ምፍልላይ፡ ከምኡ ውን ካብ ቁጽጽርካ ዝወጽእ ነገራትን ብዝምልከት ተኣፋፊ ምዃን።

ብዛዕባ ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሓደጋታት ወይ ውን ኩነታት ዓለም ክትሻቐል ትኽእል ኢኻ። ኩሉ ነገር የፍርሃካ`ሞ፡ ርግኣት ትደሊ። እቲ እትርከበሉ ዘየቋርጽ ጸቕጥን ሻቕሎትን ዝዓብለሎ ኩነታት ግዳይ መግደራ ወይ ውን ጭንቀት ክገብረካ ይኽእል። ሻቕሎት ኣብ ውሽጥና ዝሕዞ ቦታ እንዳዓበየ ምስ ከደ ኸኣ፡ ነቲ ምርጫና ክኸውን ዝግብኦ ምንባር መኒና፡ ናይ ምንባር ዕድልና እንዳጸበበ ከምዝኸይድ ይኸውን።

መዓስ እየ ሕክምናዊ ረድኤት ክሓትት ዘለኒ?

ደረጃ ሻቕሎትኩም ኣዝዩ ዓቢን ንመዓልታዊ ህይወትኩም ውን ዘሰናኽል ምስ ዝኸውን፡ ሕክምናዊ ረድኤት ክትሓቱ ኣለኩም። እቲ ሕማም ኣብ መዓልታዊ ህይወትኩም ዝፈጥሮ ዕንቅፋታት ንምእላይ ነቲ ጸገም ባዕልኹም ብኣልኮል ወይ ውን ካልእ መዐገሲ ጌርኩም ክትፍውስዎ ትፍትኑ እንተኾይኑኩም ውን፡ ሓገዝ ካብ ምሕታት ድሕር ኣይትበሉ።

ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ትርከቡ ምስ እትህልዉ፡ ሓገዝ ካብ ምሕታት ድሕር ኣይትበሉ። ካብዚ ኩነታት ተላቒቕኩም ጽቡቕ ምእንቲ ክስመዓኩም፡ ባዕልኹም ክትገብርዎ እትኽእሉ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። እታ ቐዳመይቲ ስጉምቲ ኸኣ፡ ሕክምናዊ ረድኤት ምሕታት እያ። ኣበይ ኬድኩም ሓገዝ ክትሓቱ ትኽእሉ ዘይትፈልጡ ምስ እትኾኑ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ 1177.se ኣቲኹም ዝርዝር ማእከላት ጥዕና ክትረኽቡ ትኽእሉ።

እንታይ ዓይነት ሓገዝ ይግበረለይ?

ብመንገዲ ፍወሳ ኩነታትካ ክመሓየሽን ጽቡቕ ውን ክስመዓካ ይኽእልን እዩ። ብዙሕ ኣገባባት ፍወሳ ኣሎ። ንኣብነት፡ ዝርርባዊ ፍወሳ ከምኡ ውን መድሃኒታዉ ፍወሳ። ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ፍወሳ ኸኣ፡ ሻቕሎት ከመይ ጌርካ ትቆጻጸሮን ኣብ ህይወትካ ዘለዎ ኣሉታዊ ጽልዋ ብኸመይ ትድርቶን ዝምህር እዩ።

ኣቐዲመ ሕክናዊ ረድኤት ሓቲተ ግን በቲ ዝተገብረለይ ሓገዝ ኣይዓገብኩን ምባል፡ መሊስኩም ሓገዝ ካብ ምሕታት ክድርተኩም የብሉን። መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ እቲ ፍወሳ ውጽኢታዊ ክኸውን ዝገብር ኣገዳሲ ረቋሒ፡ ዓይነት ናይቲ ፍወሳ ዘይኮነ፡ እቲ ተሓካሚ ኣብ ልዕሊ ሓካሚ ዘጥርዮ እምንቶ እዩ።

ኣብ በይንኻ ዝወረደ ኣይኮነን

ንነዊሕ ዓመታት ብሕማም ሻቕሎት ድሕሪ ምስቓይ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ካብኡ ተላቒቖም ናብ ዝሓሸ ኩነታት ዝተሰጋገሩ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ።

ሓደ ወይ ውን ካብኡ ዝበዝሕ ጸገማት ከምዘለካ ምፍላጥ፡ መወዳእታ ህይወት ማለት ኣይኮነን። እኳ ደኣ ብኣንጻሩ፡ ብዛዕባ ነብስኹም ክትፈልጡ፡ ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ክትተሓሓዝዎን እንታይ ከምዘድልየኩም ውን ክትፈልጡ የኽእለኩም። ካብ ዝነበርኩሞ ክትሕይሉን ዝበለጸ ነብስኣዊ-ርድኢት ውን ክህልወኩም ይገብር።

ብዛዕባ ዘዳኽመካ ነገር ምፍላጥ፡ ናብ ዝሓሸ ኩነታት ክትሰጋገር`ዩ ዕድል ዝፈጥረልካ። ንኣብነት፡ ነቲ ሻቕሎትካ ዝድርት መንገዲታት ትድህስስን፡ ኣብ ዝምድናታትካ ወይ ውን ካልእ ዕብይ ዝበለ ነገራት ውን እምነት ከተሕድር ትጅምር። ነቲ ዝጋርደካ ዘሎ ነገር ክትፍንጥሶ ምስ እትጅምር ከኣ፡ ኩነታትካ ናይ ምምሕያስ ዘሎ ተኽእሎ እንዳዓበየ ይመጽእ።