Ge en gåva

ጾታዊ ዓመጽ

ሓደ ሰብ ብዘይድልየቱ ጾታዊ ርክብ ወይ ተግባር ክፍጽም ምስ ዝግደድ፡ እቲ ተግባር ጾታዊ ዓመጽ ታባሂሉ ይጽዋዕ። ግዳይ ናይ ከምዚ ዓይነት ተጋር ዝኾነ ሰብ፡ ወቐሳን ሕፍረት ክስምዖ ግድን እኳ እንተኾነ፡ ካብዚ ኩነታት`ዚ ንምውጻእ ግን ነቲ ዘጋጠመ ኣፍካ ኣውጺእካ ክትዛረበሉ ኣገዳሲ እዩ።

ጾታዊ ዓመጽ እንታይ እዩ?

ጾታዊ ዓመጽ ክበሃል እንከሎ፡ ሓደ ወይ ብዙሓት ሰባት ንክብሪ ናይ ሓደ ሰብ ብምድፋር፡ ግዳይ ኣነዋሪ ጾታዊ ተግባር ይገብርዎ ማለት እዩ። ጾታዊ ዓመጽ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ክኸውን ገጻት ክህልዎ ዝኽእል ኮይኑ፡ እቲ ግዳይ ጥራይ እዩ ግን እንታይ`ዩ ቕቡልን እንታይ`ከ ዘይቕቡል ከነጽሮ ዝኽእል።

ኣካላዊ ዓመጽ፡ ዓማጺ ንነብሰ-ርውየት ኢሉ ብመልክዕ ምግሳስ ወይ ውን ምግዳድ ዘካይዶ ተግባር እዩ። ኣካላዊ ዓመጽ፡ ኣንጻር ድልየትካ ዝኾነ ምድህሳስ ወይ ውን ምትንካፍ ኣካላት፡ ክኸውን ውን ይኽእል እዩ። ስነ-ኣእምሮኣዊ ዓመጽ ከኣ፡ ግዳይ ጾታዊ ትሕዝቶ ዝሓዘለ ዘረባታት ምዃን፡ ብዘይድልየትካ ወሲባዊ ፊልሚታት ምርኣይ ወይ ውን ሓደ ሰብ ጾታዊ-ርክብ እንዳፈጸመ ብሓይሊ ተገዲድካ ክትሪኢ ምግባር፡ ዝኣመሰለ የጠቓልል።

ምስ ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም፡ ወትሩ ዘይሕጋዊ እዩ። ጾታዊ ዓመጽ ሓንሳብ ወይ ውን ብተደጋጋሚ ክካየድ ይኽእል። መዛሕትኦም ዓመጽቲ፡ ስልጣኖም ተጠቂሞም እዮም ነቲ ናይ ዓመጽ ተግባር ዝፍጽምዎ። እቶም ብብዝሒ ግዳያት ጾታዊ-ዓመጽ ዝኾኑ ህጻናትን ኮተቴን እዮም። እቶም ልሙዳት ዓመጽቶም ከኣ፡ ወላዲኦም፡ ዘመዶም፡ መምህሮም ወይ ውን ድሩት ኣፍልጦ ህጻናት መዝሚዙ ዝዕምጽ ጎርቤትን፡ ዝርከብዎም እዮም። ካልእ ብሓይሊ ዝግበር ምዕማጽ ዕድመ ብዘየገድስ፡ እቲ ግዳይ ብሓይሊ ድኹም፡ ጽሉል፡ ሕሙም ወይ ውን ስንኩል ክኸውን ይኽእል። ገለ ዓመጽቲ፡ ምስቶም ድሒሮም ዝዕምጽዎም ህጻናት፡ ኮነ ኢሎም ኣቐዲሞም ደሓን ዝኾነ ሌላዊ ዝምድናታት ክምስርቱ ይፍትኑ እዮም።

ንሓደ ሰብ፡ ጾታዊ ዓመጽ ክፍጽም ይኽእል እዩ ወይሲ ኣይክእልን ብዓይኑ ርኢኻ ክትፈርዶ ኣይትኽእልን ኢኻ። ካብቲ ልሙድ ዝኾነ ነገራት፡ ኣብዚ ዙርያ`ዚ ምፍርራህን ዓመጽን ልሙድ ነገር ስለዝኾነ፡ ሓደ ካብ ክልተ መጻምዲ ዶቡ ክጥሕስ ይግደድ።

ንህይወተይ ብኸመይ ይጸልዎ?

ጾታዊ-ዓመጽ፡ ኣብ ልዕሊ`ቲ ግዳይ እዩ ዝያዳ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሃስያ ዘውርድ። እቲ ፍጻሜ፡ ኣብ ነብሰ-ስምዒት ናይ ሓደ ሰብ ከቢድ ስምብራት ብምግዳፍ፡ እቲ ሰብ ኣብ ልዕሊ ነብሱ ትሑት ኣኽብሮት ክህልዎን ሰባት ውን ክኣምን የጸግሞ።

ገለ ግዳያት ጾታው-ዓመጽ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ዓመጽ ክፍጸም ዝኸኣለ፡ ኣትሪሮም ብንጹር ኣይፋሉን ብዘይምባሎም እዩ ኣብ ዝምል መደምደምታ ስለዝበጽሑ፡ ንነብሶም ተመሊሶም የወንጅልዋ። ከምኡ ተሰሚዕዎም ማለት ግን፡ ንሱ እዩ እቲ ሓቒ ማለት ኣይኮነን። ድሒሩ ዝግንፍል ስምዒታትን ሓሳባትን ብዘየገድስ፡ እቲ ጌገኛ ወትሩ እቲ ዓማጺ እዩ።

ብዙሓት ግዳያት ጾታዊ-ዓመጽ፡ እቲ ዘጋጠመ ኣብ ሕፍረትን ጽልኣትን ክጥሕሉ ስለዝገብሮም፡ ክዛረቡሉ ውን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይረኽብዎ። ምንጻልን ዝወረደካ ዘይምቕባልን ስምምዒታትን ይፈጥረሎምን፡ ግዳያት ጭንቀት፡ ሻቕሎት፡ ቃዝኖት፡ ጸቕጥን ድቓስ ምስኣን፡ ቁጥዐን ብዛዕባ ንብሰ-ቕትለት ክሓስቡን ውን ክገብሮም ይኽእል። እዚ ምልክታት ዘይምጥዓይ፡ ኣብ ገለ ሰባት ቀልጢፉ ክርአ እንከሎ ኣብ ካልኦት ከኣ ጸኒሑ ይቕልቐል።

ናብ ንቡር ኩነተ-ህይወት ክምለስ ይኽእል`ዶ?

ጾታዊ ወጽዓ፡ በሰላ ዝገድፍን ኣብ መንፈስ ግዳያት ውን ከቢድ ስምብራት ዘትርፍ እንተኾነ፡ ነዚ ኹሉ ሰጊርካ ግን ናብ ንቡር ምምላስ ይከኣል እዩ። ብድሕሪ`ቲ ኩሉ ዘጋጠመ ጸገም፡ ደጊምካ ልጓም ህይወትካ ክትቆጻጸሮ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ነገር ንሰብ ምሕባርን እሞ ኸኣ ዝኣምነካ ሰብ ምርካብን ከኣ ካብቲ በይናዊ ናይ ምንጻል ዓንኬል ከውጽኣካ ይኽእል እዩ። እቲ ከተዛራርብዎ እትመርጹ ሰብ፡ እትኣምንዎ ሰብ ክኸውን ኣለዎ። ምስ ማሕበራዊ-ኣማኻሪ ወይ ውን ምስ ስነ-ኣእምሮኛ ውን ክትራኸቡ ትኽእሉ ኢኹም። ሓደ ሰብ ንጾታዊ-ዓመጽ ተቓሊዑ ምስ ዝርከብ፡ ክዛረበሉ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ሰብ ክዛረበሉ ምስ ዝፈርህ፡ መን ምዃኑ ከየቃልዐ ክረኽበና ይኽእል እዩ።

ሓገዝ ኣበይ ክረክብ ይኽእል?

ንስኹም ወይ ውን ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ሰብ ንጾታዊ ዓመጽ ተቓሊዐ ወይ ታቓሊዑ ይርከብ ኢልኩም ምስ እትጥርጥሩ፡ ናብ ማእከል-ጥዕና ወይ ውን ናብ መቐብሊ ህጹጽ ረድኤት፡ ኣምርሑ። ተዓዘብቲ ግዳያት ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮን-ኣዋልድን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ሽወደን ኣለዋ። ግዳይ ዓመጽ ህጻናት ምስ ዝኾኑ ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ኣለኩም።