- Other languages
ነፍሰ-ጽልኣትን ነፍሰ-ሃስያን
ገለ ሰባት ምሒር ነፍሰ-ጽልኣት ይሕዞም። ገሊኦም ገዛእ ትርኢቶም ይጸልኡ። ገሊኦም ከኣ ኣብ ገለ ነገር ሕማቓት ምዃኖም ነብሶም ክጸልኡ ይገብሮም። ካልኦት ሰባት ንገለ ሰባት ሕማቕ ጌርናዮም ኢሎም ነብሶም ክሳብ ዝጸልእዋ ይኾኑ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነብስኻ ንምህሳይ ዝደራርኽ ስምዕዒታት ናይ ሓደ ሰብ የለዓዕልዎ። ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ክወድቕ የብሉን።
ነፍሰ–ጽልኣት እንታይ እዩ?
ነፍሰ–ጽልኣት ክህልወካ ማለት፡ ምስ ኣብ ውሽጢኻ ዝነብር ቀጻሊ ዝድህለካ ነገር ምንባር ማለት እዩ። እዚ ውሽጣዊ ደሃሊ፡ ወትሩ እንደነቐፈን እንዳፈረደካን ንነብስኻ ዋጋ ከም ዘይብልካ፡ ሕማቕ፡ ጽሉል፡ ፍንፉን፡ ገዚፍ፡ ተንኮለኛን ዜደንጹን ጌርካ ክትርእያ ይገብረካ። እዚ ውሽጣዊ ደሃሊ፡ ካልኦት ሰባት ውን ነቲ ግዳይ ከምቲ ንሱ ብዛዕባ ነፍሱ ዘለዎ ስእሊ ጌሮም ከምዝርእይዎ የእምኖ። እዚ ኸኣ ነቲ ግዳይ ኣብ ሻቕሎት ክጥሕልን፡ ብኣካሉ ይኹን ሰብእእዊ መንነቱ ቅድሚ ሰብ ደፊሩ ክሕወስ ዘኽእሎ ድፍረት የስእኖ።
ነፍሰ–ጽልኣት፡ ኣብ ብዙሕ ረቋሒታት ካብ ዝምርኮስ እኩብ ኣሉታዊ ስምዒታት ብዛዕባ ሰብኣዊ–መንነትካ ዝውለድ ጸገም እዩ። ገለ ብንኡስካ ወይ ውን ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ህይወትካ ዘጋጥመካ ንነብስኻ ካብ ሰብ ኣትሒትካ ክትርእያ ዝደፋፍኣካ ፍጻሜ ዘበገሶ ክኸውን ይኽእል። ንነብስኻ ጸገም ዘለካ ክትፍቶ ዘይግበኣካ ሰብ ጌርካ ምርኣይ ዘበገሶ ውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ነፍሰ–ጽልኣት ምልክት ጸቕጢ ወይ ውን ብዘይርጉእ ኩነተ–ስምዒት ዝልለ ዝምባዔ ሰብኣዊ–መንነት ዝፈጠሮ ውን ክኸውን ይኽእል እዩ።
ህይወተይ ብኸመይ ይጽሎ?
ነፍሰ–ጽልኣትን ሻቕሎትን ጥርዚ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ እቲ ግዳይ ነቲ ዝስምዖ ሕማቕ ስምዒታት ንምህዳእ ኢሉ ነብሰ–ሃሳይ ዝኾነ ስጉምቲ ክወስድ ተኽእሎታት ኣሎ። ነቲ ዝስመዓካ ሃዋጺ ስምዒት ንምህዳእን ኣካልካ ንምቕጻዕን ከኣ፡ ነብስኻ ምጥባሕ ወይ ውን ኣብ ቆርበት ሃስያ ምውራድ ልሙድ ግብረ–መልሲ እዩ። ነፍሰ–ጽልኣት ዝሓደሮ ሰብ፡ ኣካላቱ፡ ምንጻህ ወይ ምጽራይ የድልዮ ኣሎ ዝብል መረዳእታ ከሕድር ይኽእል እዩ። መግቢ ብግቡእ ዘይምብላዕን ፍኑው ዝውተራ ኣልኮላዊ–መስተን ድሮጋን ውን ካልእ ኣብነታት ምቕጻዕ ኣካላት እዩ። ነፍሰ–ቕትለት ክትፍጽም ዝደራርኽ ስምዒታት ውን ክቕልቀለካ ይኽእል እዩ።
ነፍሰ–ጽልኣትን ነፍሰ–ሃስያን ነቲ ግዳይ ካብ ሰብ ከምዝርሕቕ ይገብሮ። ዘለዉዎ ኩነታቶምን ጠባያቶምን ሰብ ከይፈልጦ ንምኽዋል ካብ ዝብል እዮም፡ ምንጻል ዝመርጹ። ግዳያት ውርደት ክስምዖምን ብሰንኪኡ ኸኣ ኩነታቶም መሊሱ ክብእስ ልሙድ እዩ። እቶም ግዳያት ካብቲ ዘለዉዎ ኩነታት ተገላጊሎም ጽቡቕ ክስምዖም ዘይግበኦም ፍጡራት ኢና ኢሎም ንነብሶም ክቆጽርዋ ውን ይኽእሉ እዮም። ብኸምዚ ከኣ፡ ኩነታቶም ክመሓየሽ ክገብር ዝኽእል ነገራት ካብ ምግባር ይቚጠቡ። ከም ንኣብነት ጽቡቕ መግቢ፡ እኹሉ ድቓስ፡ ምንቕስቓስ ከምኡ ውን ማሕበራዊ ዝምድናታት።
ኲነታተይ ክመሓየሽ ይኽእል`ዶ?
ሓደ ሰብ ብዛዕባ ነብሱ ዘጥርዮ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ሓቂ መሲሉ ክረኣዮ ይኽእል እዩ። ነብስኻ ምድሃልን ምቕጻዕን ከኣ፡ ከም እንኮ ፍታሕ ጌሩ ይወስዶ። ኮይኑ ግን ርእሲ እዩ ከምኡ ክትሓስብ ዝገብረካ። ነቲ ዝስመዓካ ኣሉታዊ ስምዒታት ክትቆጻጸረሉ እትኽእል ካልእ ዝበለጸ ኣገባባት ግን ኣሎ እዩ። እዚ ኣገባብ`ዚ፡ ኣብ መወዳእታ ነቲ ግዳይ ካብቲ ሽግር ተገላጊሉ ናብ ንቡር ኩነተ–ስምዒት ክምለስ ይገብሮ።
ነብስኻ ምህሳይ ምናልባት ንግዚኡ ነቲ ሕማቕ ስምዒታት ከህድኦ ይኽእል ይኸውን። ብነዊሕ ክርአ እንከሎ ግን ጽቡቕ ፍታሕ ኣይኮነን። እቲ ዝበለጸ ፍታሕ እምበኣር፡ ነብስኻ ምእላይን ምክንኻንን ምስ ነብስኻ ውን ምድንጋጽን እዩ። ተባዕ ተበግሶ ወሲድካ ከመይ ይስመዓካ ኣሎ ምስ ሰብ ምዝራብ ውን ካብ ተነጽሎ ክትወጽእ ክገብረካ ይኽእል እዩ።
ክፍወስ ዝኽእል ጸገም ድዩ?
ንስኻትኩም ወይ ውን ቤተ–ሰብኩም ኣብ ከምዚ ዓይነት ሃለዋት ምስ እትርከቡ፡ ነዚ ተርእዮ ኣብ ዝበኣሰ ከየበለ መግትኢ ክትገብሩሉ ኣለኩም። ምስ ማእከል–ጥዕና፡ ክፉት ማእከል ሲካትሮያዊ ክንክን ወይ ውን ትካላዊ ማእከል ጥዕና ተራኺብኩም ክትዘራረቡ ምእንቲ ቆጸራ ሓዙ። ብዕድመ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾንኩም ሰባት ናብ መቐበሊ ክፍሊ መንእሰያት ወይ ውን ማእከል ሲካትሪያዊ ክንክን ኣምርሑ።
ምስ ሕክምና ርክብ ዝገበረ ሰብ፡ እቲ ናይ ነፍሰ–ጽልኣት ጸገም ምንጩ እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ክፍወስ ከም ዝኽእልን ክፈልጥ ይበቅዕ። ዝርርባዊ–ተራፒን መድሃኒታትን ኣብ ምፍዋስ ነፍሰ–ሃስያዊ ዝምባሌታት ውጽኢታዊ ኮይኑ ንረኽቦ። ካልእ ሕማም ክሕዘካ ዝኽእለሉ ተኽእሎታት ምውጋድ ውን ንባዕሉ ጽቡቕ እዩ።