Ge en gåva

ነፍሰ-ጽልኣትን ነፍሰ-ሃስያን

ገለ ሰባት ምሒር ነፍሰ-ጽልኣት ይሕዞም። ገሊኦም ገዛእ ትርኢቶም ይጸልኡ። ገሊኦም ከኣ ኣብ ገለ ነገር ሕማቓት ምዃኖም ነብሶም ክጸልኡ ይገብሮም። ካልኦት ሰባት ንገለ ሰባት ሕማቕ ጌርናዮም ኢሎም ነብሶም ክሳብ ዝጸልእዋ ይኾኑ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነብስኻ ንምህሳይ ዝደራርኽ ስምዕዒታት ናይ ሓደ ሰብ የለዓዕልዎ። ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ክወድቕ የብሉን።

ነፍሰጽልኣት እንታይ እዩ?

ነፍሰጽልኣት ክህልወካ ማለት፡ ምስ ኣብ ውሽጢኻ ዝነብር ቀጻሊ ዝድህለካ ነገር ምንባር ማለት እዩ። እዚ ውሽጣዊ ደሃሊ፡ ወትሩ እንደነቐፈን እንዳፈረደካን ንነብስኻ ዋጋ ከም ዘይብልካ፡ ሕማቕ፡ ጽሉል፡ ፍንፉን፡ ገዚፍ፡ ተንኮለኛን ዜደንጹን ጌርካ ክትርእያ ይገብረካ። እዚ ውሽጣዊ ደሃሊ፡ ካልኦት ሰባት ውን ነቲ ግዳይ ከምቲ ንሱ ብዛዕባ ነፍሱ ዘለዎ ስእሊ ጌሮም ከምዝርእይዎ የእምኖ። እዚ ኸኣ ነቲ ግዳይ ኣብ ሻቕሎት ክጥሕልን፡ ብኣካሉ ይኹን ሰብእእዊ መንነቱ ቅድሚ ሰብ ደፊሩ ክሕወስ ዘኽእሎ ድፍረት የስእኖ። 

ነፍሰጽልኣት፡ ኣብ ብዙሕ ረቋሒታት ካብ ዝምርኮስ እኩብ ኣሉታዊ ስምዒታት ብዛዕባ ሰብኣዊመንነትካ ዝውለድ ጸገም እዩ። ገለ ብንኡስካ ወይ ውን ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ህይወትካ ዘጋጥመካ ንነብስኻ ካብ ሰብ ኣትሒትካ ክትርእያ ዝደፋፍኣካ ፍጻሜ ዘበገሶ ክኸውን ይኽእል። ንነብስኻ ጸገም ዘለካ ክትፍቶ ዘይግበኣካ ሰብ ጌርካ ምርኣይ ዘበገሶ ውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ነፍሰጽልኣት ምልክት ጸቕጢ ወይ ውን ብዘይርጉእ ኩነተስምዒት ዝልለ ዝምባዔ ሰብኣዊመንነት ዝፈጠሮ ውን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ህይወተይ ብኸመይ ይጽሎ?

ነፍሰጽልኣትን ሻቕሎትን ጥርዚ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ እቲ ግዳይ ነቲ ዝስምዖ ሕማቕ ስምዒታት ንምህዳእ ኢሉ ነብሰሃሳይ ዝኾነ ስጉምቲ ክወስድ ተኽእሎታት ኣሎ። ነቲ ዝስመዓካ ሃዋጺ ስምዒት ንምህዳእን ኣካልካ ንምቕጻዕን ከኣ፡ ነብስኻ ምጥባሕ ወይ ውን ኣብ ቆርበት ሃስያ ምውራድ ልሙድ ግብረመልሲ እዩ። ነፍሰጽልኣት ዝሓደሮ ሰብ፡ ኣካላቱ፡ ምንጻህ ወይ ምጽራይ የድልዮ ኣሎ ዝብል መረዳእታ ከሕድር ይኽእል እዩ። መግቢ ብግቡእ ዘይምብላዕን ፍኑው ዝውተራ ኣልኮላዊመስተን ድሮጋን ውን ካልእ ኣብነታት ምቕጻዕ ኣካላት እዩ። ነፍሰቕትለት ክትፍጽም ዝደራርኽ ስምዒታት ውን ክቕልቀለካ ይኽእል እዩ። 

ነፍሰጽልኣትን ነፍሰሃስያን ነቲ ግዳይ ካብ ሰብ ከምዝርሕቕ ይገብሮ። ዘለዉዎ ኩነታቶምን ጠባያቶምን ሰብ ከይፈልጦ ንምኽዋል ካብ ዝብል እዮም፡ ምንጻል ዝመርጹ። ግዳያት ውርደት ክስምዖምን ብሰንኪኡ ኸኣ ኩነታቶም መሊሱ ክብእስ ልሙድ እዩ። እቶም ግዳያት ካብቲ ዘለዉዎ ኩነታት ተገላጊሎም ጽቡቕ ክስምዖም ዘይግበኦም ፍጡራት ኢና ኢሎም ንነብሶም ክቆጽርዋ ውን ይኽእሉ እዮም። ብኸምዚ ከኣ፡ ኩነታቶም ክመሓየሽ ክገብር ዝኽእል ነገራት ካብ ምግባር ይቚጠቡ። ከም ንኣብነት ጽቡቕ መግቢ፡ እኹሉ ድቓስ፡ ምንቕስቓስ ከምኡ ውን ማሕበራዊ ዝምድናታት።

ኲነታተይ ክመሓየሽ ይኽእል`?

ሓደ ሰብ ብዛዕባ ነብሱ ዘጥርዮ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ሓቂ መሲሉ ክረኣዮ ይኽእል እዩ። ነብስኻ ምድሃልን ምቕጻዕን ከኣ፡ ከም እንኮ ፍታሕ ጌሩ ይወስዶ። ኮይኑ ግን ርእሲ እዩ ከምኡ ክትሓስብ ዝገብረካ። ነቲ ዝስመዓካ ኣሉታዊ ስምዒታት ክትቆጻጸረሉ እትኽእል ካልእ ዝበለጸ ኣገባባት ግን ኣሎ እዩ። እዚ ኣገባብ`ዚ፡ ኣብ መወዳእታ ነቲ ግዳይ ካብቲ ሽግር ተገላጊሉ ናብ ንቡር ኩነተስምዒት ክምለስ ይገብሮ። 

ነብስኻ ምህሳይ ምናልባት ንግዚኡ ነቲ ሕማቕ ስምዒታት ከህድኦ ይኽእል ይኸውን። ብነዊሕ ክርአ እንከሎ ግን ጽቡቕ ፍታሕ ኣይኮነን። እቲ ዝበለጸ ፍታሕ እምበኣር፡ ነብስኻ ምእላይን ምክንኻንን ምስ ነብስኻ ውን ምድንጋጽን እዩ። ተባዕ ተበግሶ ወሲድካ ከመይ ይስመዓካ ኣሎ ምስ ሰብ ምዝራብ ውን ካብ ተነጽሎ ክትወጽእ ክገብረካ ይኽእል እዩ።

ክፍወስ ዝኽእል ጸገም ድዩ?

ንስኻትኩም ወይ ውን ቤተሰብኩም ኣብ ከምዚ ዓይነት ሃለዋት ምስ እትርከቡ፡ ነዚ ተርእዮ ኣብ ዝበኣሰ ከየበለ መግትኢ ክትገብሩሉ ኣለኩም። ምስ ማእከልጥዕና፡ ክፉት ማእከል ሲካትሮያዊ ክንክን ወይ ውን ትካላዊ ማእከል ጥዕና ተራኺብኩም ክትዘራረቡ ምእንቲ ቆጸራ ሓዙ። ብዕድመ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾንኩም ሰባት ናብ መቐበሊ ክፍሊ መንእሰያት ወይ ውን ማእከል ሲካትሪያዊ ክንክን ኣምርሑ።

ምስ ሕክምና ርክብ ዝገበረ ሰብ፡ እቲ ናይ ነፍሰጽልኣት ጸገም ምንጩ እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ክፍወስ ከም ዝኽእልን ክፈልጥ ይበቅዕ። ዝርርባዊተራፒን መድሃኒታትን ኣብ ምፍዋስ ነፍሰሃስያዊ ዝምባሌታት ውጽኢታዊ ኮይኑ ንረኽቦ። ካልእ ሕማም ክሕዘካ ዝኽእለሉ ተኽእሎታት ምውጋድ ውን ንባዕሉ ጽቡቕ እዩ።