Ge en gåva

ሓዘንን ጓህን

ሓዘን ተራ ነገር ኮይኑ፡ ኣካል ናይ ህይወትና እዩ። ቤተ-ሰብ ብሞት ክፍለየካ እንከሎ ወይ ውን ክብ-ለጠቕ ናይ ህይወት ከጋጥም እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዘጋጠመ ነገር ኣብ ውሽጥኻ ዓቢጥካዮ ስቕ ትብል፡ ኣፍካ ኸፊትካ ምስ ሰብ ክትዛረበሉ ኣገዳሲ እዩ። ከም ቤተ-ሰብ መጠን፡ ተኻፋሊ ናይቲ ሓዘን ክትከውን ኣለካ ደኣምበር፡ በቲ ሓዘን ክትስንብድ ግን ኣይግባእን።

ሓዘን እንታይ እዩ?

ምሕዛን ካብ ምጒሃይ ብቑሩብ እዩ ዝፍለ። ናይ ቀረባ ቤተስብካ ብሞት ክፍለየካ እንከሎ ወይ ውን ድሕሪ ምፍታሕካ ዘጋጥም፡ ተፈጥሮኣዊ ስምዒታዊ ግብረመልሲ እዩ። ሓዘን ካልእ ምኽንያታት ዘበገሶ ውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ውላድካ ክንዲ ሰብ ኣኺሉ ገዝኡ ክምስርት ገዲፍካ ክግዕዝ እንከሎ፡ ስራሕካ ክትስእን እንከለኻ ወይ ውን ተደላዪ ኣይኮንኩን ኢልካ ጡረታ ክትወጽእ እንከለኻ።

መብዛእትኦም ሰባት፡ ዓቢ ክሳራ ምስ ኣጋጠሞም ወይ ውን ህይወቶም ብምቕያሩ እዮም ዝሓዝኑ። እቲ ዝፍጠር ዓሚቚን ቃንዛ ዝዓብለሎን ናይ ሓዘን ስምዒት፡ ንነብስናን ንኸባቢናን እንታይ ዓይነት መከራ ከምዘሕለፍና ከርእየና ኢሉ ዝመጸ እዩ ዝመስል። ሓዘን፡ ንሓደ ሰብ ናይ ህይወት ጠለባቱ ንዝተወሰነ ግዜ ለጠቕ ከብሎ ከምዘለዎ ዝሕብር፡ ምልክት እዩ።

ብዙሓት ሰባት፡ ሓዘንን ንብዓትን ሓደ ጌሮም እዮም ዝወስድዎ። ኣካላትና ብብዙሕ መንገዲታት ግብረመልሲ ይህብ እዩ። ጥሩፍ ድኻም፡ ምቕይያር ኩነትኣእምሮ፡ ናይ ምትኳር ጸገም፡ ፍርሒ፡ ሻቕሎት ከምኡ ውን ዓቕሊምጽባብ ውን ምልክታት ሓዘን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ከባቢ ልቢ ዘጋጥም ጸገማት፡ ናይ ከብዲ ዘይምሹውነትን ክትድቅስ ዘይምኽኣልን ውን ምልክት ሓዘን ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓዘን ኣብ ኣብ ኣረጋውያን ዘስዕቦ ጸገማት ከም ጸቕጥን ካልእ ነዊሕ ዘይጸንሕ ምልክታት ዘይምጥዓይን እዮም።

ሓዘን ንህይወተይ ብኸመይ ይጸልዎ?

ነፍሲ ወከፍ ሓዘን ፍሉይ እዩ። ቅቡል ዝበሃል ቅጥዒ ወይ ኣገባብ ኣተሓዛዝና ውን የለን። ነገራት ከከም ኣመጻጽኦኦምን ኩነታቶምን ክትወስዶም ግን ኣገዳሲ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ናይ ሓዘን ዓመት ኢሎም ክዛረቡ ትሰምዕ። ብኻልእ ቋንቋ፡ ሓዘን ንኽወጽኣልካ ሓደ ዓመት የድልዮ ዝብልዎ እዩ። ሓንቲ ስድራቤት፡ ኣባል ስድራቤታ ብሞት ካብኣ ድሕሪ ምፍላዩ፡ ኣብ እዋን በዓላት ንመጀመርያ ግዜ ብዘይቲ ኣባል ስድራቤቶም ስለዘብዕልዎ፡ እቲ ሃዋህው ኣዝዩ ተኣፋፊ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ገለ ቤተሰቦም ዝተፈልዮም ሰባት ወይ ሓዘንተኛታት፡ እቲ ዝሞተ ሰብ ርኢናዮ ወይ ውን ሰሚዕናዮ ክብሉ ትሰምዕ ኢኻ። እዚ ውን ትፈጥሮኣዊ ግብረመልሲ ናይቲ ዘጋጠመ እምበር፡ እቲ ኸምኡ ዝብል ዘሎ ሰብ ብሕማም ኣእምሮ ተለኺፉ ወይ ውን ዓቢዱ ማለት ኣይኮነን። 

ዝስምዓካ ነገር ክነፍሰልካ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ውሽጢኻ ጥራይ ጌርካዮ ስቕ ምባል ካብቲ ሓዘን ክትሃድም ምድላይ ከስምዕ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ስራሕ ብምስራሕ ወይ ውን ብብዝሒ ብምጋሽ። ኣብ ነብሰሃሳይ ዝኾነ ተግባራት፡ ከም ምብላዕ ከኒናታት ወይ ውን ኣልኮላዊመስተ ምስታይ፡ ክንወድቕ ውን ክደፋፍኣና ይኽእል እዩ። ከምዚ ዓይነት ተግባራት፡ ነቲ ሓዘን ኣብ ምንዋሕ ዓቢ ተራ ይጻወቱ።

ኩነታተይ ክመሓየሽ ይኽእል ?

ኣብ ሓዘን ንዘሎ ሰብ፡ ህይወት ዳግማይ ኣብ ንቡር ኣይክትምለስን እያ ኢሊ ክድምድሞ ይኽእል እዩ። ከምኡ ግን ኣይኮነን። ኮይኑ ግን፡ ሽሕ` እቲ ሓዘን ይምረር፡ ካብኡ ክትወጽእ ክትክእል ኣለካ። ካብ ሓዘን ኣውጺኡ ብቑልጡፍ ናብ ንቡር ህይወት ዝመልስ፡ ኣቋራጭ መንገዲ የለን። ካብ ኩሉ ኣገዳሲ ዝኾነ ግን ነቲ ኩነታት ወይ ምሕዛን ምቕባሉ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ሓዘን ብኽፉት መንፈስ ክትቕበሎን ክትዛረበሉን ውን የኽእለካ። 

ኩሉ ነገር ሕንፍሽፍሽ ኢሉ`ዩ፡ ትርጉም ዘለዎ ነገር የለን ኢልካ ምስ እትድምድም፡ ንመዓልታዊ መደብ ህይወትካ ምኽታል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሰዓታት ስራሕኩም ወይ ውን ካልእ ተጽዕኖ ዝፈጥረልኩም ነገራት ክትንክይዎ ትኽእሉ እኳ እንተኾንኩም፡ እቲ ናይ ምምጋብን ምድቃስን መደብኩም ግን ስሩዕ ይኹን። በይንኻ ክትከውን ጸገም ዘይብሉ እኳ እንተኾነ ምሉእ ብምሉእ ግን ካብ ሰብ ኣይትነጸሉ። ካብ ሓዘን ወጺእካ ናብ ንቡር ንምምላስ ድጋፍ ናይ በተሰብ ኣገዳሲ እዩ።

ከም ናይ ቀረባ ቤተሰብ መጠን፡ ነቲ ዘጋጠመ ኩነታት ክትኣልዮ ኣጸጋሚን ኣባህራርን ክኸውን ይኽእል እዩ። ክትሰምዕ ምኽኣል፡ ኣብ መዓልታዊ ስርሓት ምሕጋዝን ወይ ውን ኣብቲ ሓዘን ጥራይ ምርካብ ውን ቀሊል ነገር ኣይኮነን። እቲ ስሚ ሓዘንተኛ ዝኾነ ነገር፡ ስቕታን ምንጻልን እዩ።

ሓገዝን ድጋፍን ኣበይ ክረክብ ይኽእል?

ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ኣጋጣሚታት፡ ንኣብነት፡ መንእሰይ ክቕዘፍ እንከሎ፡ ግዜ ጥራይ ነቲ ሓዘን ክፍውሶ ኣይክእልን እዩ። ንስኻትኩም ወይ ውን ቤተሰብኩም ካብ ቃዝኖትን ጸቕጥን ምውጻእ ምስዘጸግመኩም ክኢላዊ ሓገዝ ምሕታት ከድልየኩም እዩ።

ኣብ ማእከልጥዕና ብምኻድ ምኽሪ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ከከም ኩነታቱ ውን ምስ ማሕበራዊኣማኻሪ ወይ ውን ስነኣእምሮኛ ተራኺብኩም ብዝርርብ ዝካየድ ናይ ድጋፍ ኣገልግሎት ክትረኽቡ ትኽእሉ። ንነዊሕ ግዜ ክድቅስ ዘጸገሞ ሰብ ውን ድጋፍ ክግበረሉ ይኽእል እዩ። እዋን ሓዘን ደበሳዊ ድጋፍ ዘበርክታ ብዙሓት ማሕበራትን ውድባትን ውን ኣለዋ እየን።